[1] ካብቲ ካብ ሰብ ወይ ብሰብ ዘይኮነስ ብኢየሱስ ክርስቶስን በቲ ካብ ሙታን ዘተሥኦ እግዚኣብሔር ኣብን ሓዋርያ ክኸውን ዝተኃርየ ጳውሎስን
[2] ካብቶም ኲሎም ምሳይ ዘለዉ ኣኅዋትን ናብተን ኣብ ገላትያ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን ትብጻሕ።
[3] ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።
[4] ጐይታና ኸም ፍቓድ ኣምላኽናን ኣቦናን ካብዛ ሕዚ ዘላ ኽፍእቲ ዓለም ምእንቲ ኸድኅነና ብምኽንያት ኃጢኣትና ርእሱ ኣኅሊፉ ሃበ።
[5] ንእኡ ካብ ዘለዓለም ንዘለዓለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
[6] ነቲ ብጸጋ ክርስቶስ ገይሩ ዝጸውዐኩም እግዚኣብሔር ኣሻዕኹም ኃዲግኩምዎ ናብ ካልእ ወንጌል ከም ዝኃለፍኩም ገሪሙኒ ኣሎ!
[7] እዙይ ግና ገሊኣቶም ሰባት ንወንጌል ክርስቶስ ክልውጡ ደልዮም እዮም ዝህውኹኹም ዘለዉ እምበር ካልእ ወንጌል ፈጺሙ የለን።
[8] ግና ንሕና ኾነ ወይ ካብ ሰማይ ዝወረደ መልኣኽ ነቲ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ዝቃረን ካልእ ወንጌል እንተ ደኣ ሰቢኹልኩም ርጉም ይኹን።
[9] ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ሕዚውን ደጊመ እብል ኣለኹ፤ ነቲ ዝተቐበልኩምዎ ዝቃረን ካልእ ወንጌል እንተድኣ ሰቢኹልኩም ርጉም ይኹን።
[10] በዙይከ ናይ ሰብ ናእዳ ድየ ዝደሊ ዘለኹ? ወይ ከዓ ናይ ኣምላኽ? ወይ ንሰብ ከሐጕስ ድየ ዝደሊ ዘለኹ? ንሰብ ከሐጕስ እንተ ዝደልስ ባርያ ክርስቶስ ኣይምኾንኩን ነይረ።
[11] ኣቱም ኣኅዋተይ! እቲ ኣነ ዝሰበኽኩልኩም ወንጌል ካብ ሰብ ከም ዘይኮነ አፍልጠኩም ኣለኹ።
[12] ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ዝገለጸለይ እምበር ካብ ሰብ ኣይተቐበልክዎን፤ ብሰብውን ኣይተምሃርክዎን።
[13] ከምኡውን ቀደም ናይ አይሁድ እምነት ተኸታሊ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ንቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሔር ካብ መጠን ንላዕሊ ኸም ዘሳደድክዋን ከጥፍኣ ከም ዝፈተንኩን ሰሚዕኹም ኣለኹም።
[14] ኣብቲ ናይ ኣይሁድ እምነት ካብ ኲሎም ደቂ ዓደይን ብጾተይን እበልጽ ነበርኩ። ብዛዕባ ሥርዓት ኣቦታተይ ድማ ቐናእ ነበርኩ።
[15] እቲ ኣብ ማኅፀን እነይ እንተለኹ ዝኃረየኒ ብጸጋኡውን ዝጸውዐኒ እግዚኣብሔር
[16] ኣብ ኲሎም ኣሕዛብ ብዛዕብኡ ምእንቲ ኽሰብኽ ንወዱ ክገልጸለይ ምስ ፈተወ ግና ምስ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣይተማኸርኩን።
[17] ነቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሓዋርያት ክርኢ ናብ ኢየሩሳሌም ኣይደየብኩን። እኳ ደኣ ናብ ምድሪ ዓረብ ከድኩ እምበር፤ ደጊመውን ናብ ደማስቆ ተመለስኩ።
[18] ድኅሪ ሠለስተ ዓመት ከዓ ንኬፋ ኽርኢ ናብ ኢየሩሳሌም ደየብኩ። ምስኡ ኸዓ ዓሠርተ ኃሙሽተ መዓልቲ ጸናሕኹ።
[19] እንትርፊ ያዕቆብ ኃው ጐይታና ኻልእ ካብ ሓዋርያት ሓደኳ ኣይረአኹን።
[20] እዝ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ ሓሰት ከም ዘይኮነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር አረጋግጸልኩም ኣለኹ።
[21] ብድኅሪኡ ኸዓ ናብ ሃገር ሶርያን ቂልቅያን ከድኩ።
[22] እንተኾነ እተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ኣብያተ ክርስቲያን ብገጽ ኣይፈልጣንን ነበራ።
[23] እቲ ቐደም ዘሳድደና ዝነበረ ብዛዕባ እታ ኸጥፍኣ ዝፈተነ እምነት ሕዚ ይሰብኽ ኣሎ ዝብል ጥራሕ ይሰምዓ ነበራ።
[24] ብዛዕባይውን ንእግዚኣብሔር ኣመስገና።