Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 2:39

[1] ኣቱም ኣኅዋተይ! ሓደ ሰብ ኣብ ኃጢኣት እንተ ተረኽበ መንፈሳውያን ዝኾንኩም ንስኻትኩም ነዝ ኸምዙይ ዝበለ ሰብ ብለውሃት መንፈስ ምለስዎ። ንስኻትኩምውን ከምኡ ከይትፍተኑ ንርእስኹም ተጠንቀቑ።

[2] ነፍስ ወከፍ ናይ ካልእ ፆር ይፁር፤ በዙይ ከዓ ሕጊ ክርስቶስ ክትፍጽሙ ኢኹም።

[3] ሓደ ሰብ ንዘይኮኖ ኸም ዝኾነ እንተ መሰሎ ንርእሱ ይጥብር።

[4] እንተኾነ ነፍስ ወከፍ ናይ ርእሱ ሥራሕ ይመርምር፤ ሽዑ ብናይ ብጻዩ ዘይኮነ ብናይ ርእሱ ሥራሕ ክምካሕ እዩ።

[5] ነፍስ ወከፍ ናይ ርእሱ ፆር ክፀውር ይግባእ እዩሞ።

[6] እቲ ቓል ዝመሃር ከዓ ነቲ ዘለዎ ጽቡቕ ነገራት ምስቲ መምህሩ ይካፈሎ።

[7] ኣይትታለሉ! እግዚኣብሔር ኣይዕሾን እዩ፤ ሰብ ነቲ ዝዘርኦ እዩ ዝዓጽድ።

[8] እቲ ንሥጋኡ ኸሕጕስ ኢሉ ዝዘርእ ካብ ሥጋኡ ሞት የዓጽድ። እቲ ንመንፈስ ከሕጕስ ኢሉ ዝዘርእ ከዓ ካብ መንፈስ ቅዱስ ናይ ዘለዓለም ሕይወት የዓጽድ።

[9] ሠናይ ሥራሕ ንምሥራሕ ኣይንሰልኪ፤ ተስፋ እንተ ዘይቖረጽና እዋኑ ምስ በጽሐ ኽንዓጽድ ኢናሞ።

[10] እምበኣር ጊዜ እንተለና ንዂሉ ሰብ ሠናይ ንግበር፤ ብኅልፊ እኳ ነቶም ብእምነት ኣኅዋትና ዝኾኑ ሠናይ ንግበረሎም።

[11] ብኸመይ ዝበሉ ፍሩያት ፊደላት ብኢደይ ከም ዝጸሓፍኩልኩም ርኣዩ።

[12] እቶም ክትግረዙ ግዲ ዝብሉኹም ዘለዉ በቲ ዝገበርዎ ኣፍኣዊ ነገር ክምክሑ ዝደልዩ ሰባት እዮም። ነዝ ዝገብርዎ ዘለዉ ኸዓ ብሰንኪ መስቀል ክርስቶስ ከይስደዱ ኢሎም እዮም።

[13] እቶም ግሩዛት እኳ ባዕልቶም ሕጊ ኣይሕልዉን እዮም። እንተኾነ ከም ዝግረዙ ገይርናዮም ኢሎም ምእንቲ ኽምክሑ ክትግረዙ ግዲ ይብሉኹም ኣለዉ።

[14] ኣነ ግና በቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቐለሉ መስቀል እንተዘይኮይኑ ብኻልእ ኣይምካሕን። በዝ መስቀል እዙይ ዓለም ኣብ ቅድመይ ምውቲ እያ፤ ኣነውን ኣብ ቅድሚ ዓለም ምውት እየ።

[15] ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝርከብ ሓድሽ ፍጥረት ምዃን እምበር ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ ዝጠቕሞ የብሉን።

[16] ኣብቶም በዛ መምርሒ እዚኣ ዝነብሩ ዂሎምን ኣብቶም ወገን እግዚኣብሔር ዝኾኑ እስራኤላውያንን ሰላምን ምሕረትን ይኹን።

[17] ኣነስ ምልክት መከራ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰብነተይ እፀውር ኣለኹ እሞ ድኅሪ ሕዚ ሓደኳ ኣየትክረኒ።

[18] ኣኅዋተይ! ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኲልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ — Chapters