Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:37

[1] ብሓርነት ምእንቲ ኽንነብር ክርስቶስ ሓራ ኣውፂኡና እዩ። ስለዙይ ጽንዑ ፤ መሊስኩም በርዑ ት ባርነት ኣይትቈረኑ።

[2] እንሆ ኣነ ጳውሎስ እነግረኩም ኣለኹ፦ እንተ ተገረዝኩም ግርዘት ኣብ ክርስቶስ ፈጺሙ ኣይጠቕመኩምን እዩ።

[3] ኲሉ እቲ ዝግረዝ ሰብ ከዓ ነቲ ሕጊ ብምሉኡ ክፍጽሞ ግቡኡ ከም ዝኾነ ደጊመ አጠንቅቕ ኣለኹ።

[4] ኣቱም ሕጊ ብምፍጻም ክትጸድቁ እትደልዩ ካብ ክርስቶስ ተፈሊኹም ኢኹም፤ ካብ ጸጋ ኸዓ ርሒቕኩም ኢኹም።

[5] ንሕና ግና ብእግዚኣብሔር መንፈስ ብእምነት ክንጸድቕ ተስፋ ጌርና ንጽበ ኣለና።

[6] ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ እንተ ደኣ ኣሊና እታ ብፍቕሪ እትሠርሕ እምነት እምበር ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ ጥቕሚ የብሉን እሞ።

[7] ቅድም ጽቡቕ ትጐዩ ኔርኩም፤ ንሓቂ ኸይትእዘዝዋ ደኣ መን አዐንቀፈኩም?

[8] እዛ ምኽሪ እዚኣ ኻብቲ ዝጸውዐኩም እግዚኣብሔር ኣይመጸትን።

[9] እዙይ ከዓ ውሑድ ማይ ብሒቝ ንዂሉ እቲ ብሒቝ የብኲዖ ከም ዝብሃል እዩ።

[10] ካብዙይ ዝተፈልየ ኻልእ ከምዘይትሓስቡ ብጐይታ እተኣማመን እየ። እቲ ዘደናግረኩም ዘሎ ግና ዝኾነ ይኹን ፍርዱ ኽቕበል እዩ።

[11] ኣኅዋተይ! ኣነ ግርዘት የድሊ እዩ እናበልኩ ዝሰብኽ እንተ ኾይነ ደኣ ንምንታይ የሳጕጉኒ ኣለዉ? እቲ ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎ ናይ መስቀል ስብከት ከዓ ምተወገደ ነይሩ።

[12] እቶም ተገረዙ እናበሉ ዘደናግርኹም ሰባት እንተደለዩ ይሰለቡ።

[13] ኣኅዋተይ! ንስኻትኩም ሓራ ኽትኮኑ ኢኹም ዝተጸዋዕኹም፤ ንስንሳትኩም ደኣ ብፍቕሪ ኣገልግሉ እምበር እዛ ሓርነትኩምስ ንሥጋዊ ድልየትኩም መፈጸሚ ኣይትግበርዋ።

[14] ሕጊ ብምሉኡ ኣብቲ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር ዝብል ትእዛዝ ተጠቕሊሉ ኣሎ እሞ።

[15] ንስንሳትኩም እንተ ተናኸስኩምን እንተ ተባላዕኹምን ግና ከይትዋድኡ ተጠንቀቑ።

[16] ኣነ ግና ብመንፈስ ንበሩ፤ ድልየት ሥጋ ኸዓ ኣይትፈጽሙ እብለኩም ኣለኹ።

[17] ትምኒት ሥጋ ምስ መንፈስ መጻርርቲ እዩ፤ መንፈስ ከዓ ምስ ድልየት ሥጋ መጻርርቲ እዩ። ስለዙይ ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ ክልቲኦም መጻርርቲ እዮም።

[18] ብመንፈስ እንተ ተመሪሕኹም ግና ተገዛእቲ ሕጊ ኣይኮንኩምን።

[19] ተግባር ሥጋ ግሁድ እዩ፤ ንሱ ኸዓ ዝሙት ርኽሰት ስድነት

[20] ኣምልኾ ጣዖት ጥንቖላ ጽልኢ ክርክር ቅንኢ ቊጥዓ ርእስኻ ምፍታው ምፍልላይ መናፍቕነት

[21] መንቀኝነት ምቅታል ስኽራን ስድነት ዘለዎ ጓይላ ነዙይ ዝመስል ኲሉን እዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዘጠንቀቕኩኹም እቶም ነዙይ ዝመስል ዝገብሩ ዂሎም ንመንግሥቲ እግዚኣብሔር ኣይወርስዋን እዮም።

[22] ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና ፍቕሪ ሓጐስ ሰላም ትዕግሥቲ ልግሲ ሕያዋይነት እሙን ምዃን

[23] ለውሃት ርእስኻ ምግዛእ እዩ። ከም ዚኣቶም ንዝመሰሉ ዝቃረን ሕጊ የለን።

[24] እቶም ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾኑ ነቲ ሥጋ ምስ ክፉእ ፍትወቱን ድልየትን ሰቒሎምዎ እዮም።

[25] ብመንፈስ እንነብር እንተድኣ ዄንና ብመንፈስ ንመራሕ።

[26] ንስንሳትና እናተነቓቐፍናን እናተቐናናእናን ብኸንቱ ኣይንመካሕ።

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ — Chapters