[1] ድኅሪ ዓሠርተ ኣርባዕተ ዓመት ምስ በርናባስ ንቲቶ ኂዘ መሊሰ ናብ ኢየሩሳሌም ደየብኩ።
[2] እዙይ ከዓ እግዚኣብሔር ብራእይ ስለ ዝገለጸለይ እየ ዝደየብኩ። ምናልባሽ ንኸንቱ እጐዪ ኸይህሉ ወይ ድማ ንኸንቱ ጐይየ ኸይከውን ኢለ ነቲ ኣብ ኣሕዛብ ዝሰብኮ ዝነበርኩ ወንጌል ነቶም መራሕቲ ንበይኖም ገለጽኩሎም።
[3] እቲ ምሳይ ዝነበረ ቲቶ ግሪካዊ እኳ እንተነበረ ክግረዝ ኣይተገደደን።
[4] እንተኾነ እቶም ኣኅዋት መሲሎም ኣብ ማእኸልና ሰሊኾም ዝኣተዉ ሰለልቲ ኽግረዝ ደልዮምዎ ነይሮም። እዙይ ከዓ ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሓርነት ኣጥፊኦም ባሮት ክገብሩና ደልዮም ስለ ዝነበሩ እዩ።
[5] እቲ ናይ ወንጌል ሓቂ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኽጸንዕ ንኣኣቶም ንሓንቲ ሰዓት እኳ ኣይተገዛእናሎምን።
[6] እቶም መራሕቲ ዝብሃሉ እንታዎት ከም ዝነበሩ ግዲ የብለይን እየ፤ ኣምላኽ ገጽ ሰብ ርእዩ ኣየዳሉን እዩሞ ንሳቶም ሓንቲ ነገር እኳ ኣይወሰኹለይን።
[7] እኳ ደኣ ኸምቲ ንጴጥሮስ ንግሩዛት ወንጌል ክሰብኽ ኃደራ ዝተውሃቦ ኣነ ኸዓ ነቶም ዘይግሩዛት ኣሕዛብ ወንጌል ክሰብኽ ኃደራ ኸም ዝተውሃብኩ ፈለጡ።
[8] ከምቲ ጴጥሮስ ኣብቶም ኣይሁድ ከም ሓዋርያ ኸገልግል እንተሎ ዝሠርሐ ኃይሊ እግዚኣብሔር ኣባይውን ኣብቶም ኣሕዛብ ከገልግል እንተለኹ ሠሪሑ እዩ እሞ።
[9] እቶም ኣዕማድ ቤተ ክርስቲያን ተብሂሎም ዝጽውዑ ያዕቆብን ጴጥሮስን ዮሓንስን ከዓ ነቲ ተውሂቡኒ ዝነበረ ጸጋ ምስ ረአዩ ናይ ኅብረት ምልክት ምእንቲ ክኾነና ንኣይን ንበርናባስን የማናይ ኢዶም ሃቡና። ንሕና ናብ ኣሕዛብ ክንከይድ ንሳቶም ከዓ ናብቶም ኣይሁድ ክኸዱ ተሰማማዕና።
[10] ጥራሕ ንድኻታት ክንዝክሮም ኃደራ በሉና፤ እዙይ ከዓ ባዕለይ ዝደልዮ ዝነበርኩ ነገር እዩ።
[11] ጴጥሮስ ናብ ኣንጾኪያ ምስ መጸ ግና ተጋግዩ ስለዝነበረ ኽውቀስ ይግብኦ ነበረ፤ ኣነውን ገጽ ንገጽ ቲወምክዎ።
[12] ሰባት ካብ ያዕቆብ ተልኢኾም ቅድሚ ምምጽኦም ምስቶም ካብ ወገን ኣሕዛብ ዝኾኑ ኣኅዋት ይበልዕ ነበረ። ንሳቶም ምስ መጹ ግና ነቶም ዝኣመኑ ኣሕዛብ ክግረዙ ኣለዎም ዝብሉ ኣኅዋት ፈሪኁ ካብኣቶም ተፈልየ።
[13] እቶም ዝተረፉ ካብ ወገን ኣይሁድ ዝኾኑ ኣኅዋትውን ከም ጴጥሮስ ግብዛት ኮኑ፤ በርናባስ እኳ እንተይተረፈ በቲ ግብዝናኦም ተለከመ።
[14] ከምቲ ናይ ወንጌል ሓቂ ብቕኑዕ መንገዲ ኸም ዘይተመላለሱ ምስ ረአኹ ግና ንጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ዂላቶም፦ ንስኻ ኣይሁዳዊ እንተለኻ ኸም ኣይሁድ ዘይኮነስ ከም ኣሕዛብ ካብ እትነብር ከመይ ኢልካ ደኣ ነቶም ኣሕዛብ ከም ኣይሁድ ክነብሩ ተገድዶም ኣለኻ? በልክዎ።
[15] ንሕና ዓሌትና ኣይሁድ ኢና። ካብቶም ኃጥኣን ኣሕዛብ ኣይኮንናን።
[16] ሰብ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እምበር ሕጊ ብምፍጻም ከም ዘይጸድቕ ከዓ ንፈልጥ ኢና፤ ንሕናውን ሕጊ ብምፍጻም ዘይኮነስ ንክርስቶስ ብምእማን ምእንቲ ኽንጸድቕ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣመንና፤ ሕጊ ብምፍጻም ዝጸድቕ ሰብ የለንሞ።
[17] ንሕና ብክርስቶስ ክንጸድቕ እንደሊ ኃጢኣተኛታት ኮይንና እንተተረኺብና ኃጢኣት ዘሥርሐና ክርስቶስ እዩ ማለት ድዩ? ብፍጹም ኣይኮነን!
[18] ነቲ ዘፍረስክዎ ሥርዓት ደጊመ ዝሃንጾ እንተ ደኣ ኾይነ ሕጊ ጠሓሳይ ምዃነይ ኣረጋግጽ ኣለኹ።
[19] ንእግዚኣብሔር ሕያው ኮይነ ምእንቲ ኽነብር በቲ ሕጊ ንሕጊ ሞይተለኹ። ማለት ሕጊ ባዕሉ ቀቲሉኒ እዩ።
[20] ኣነ ምስ ክርስቶስ ተሰቒለ ኣለኹ፤ ደጊም ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዝነብር ዘሎ እምበር ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር ዘለኹ፤ እዝ ሕዚ ብሥጋ ዝነብሮ ዘለኹ ድማ በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይ ከዓ ርእሱ ቤዛ ዝሃበ ወዲ እግዚኣብሔር ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ።
[21] ኣነስ ንጸጋ እግዚኣብሔር ኣየቃልልን፤ ጽድቂ ሕጊ ብምፍጻም ዝርከብ እንተኾይኑ እምበኣር ክርስቶስ ንኸንቱ እዩ ዝሞተ ማለት እዩ።