[1] ኣነ ዝብሎ እዙይ እዩ፦ እቲ ወራሲ ኣብ ጊዜ ሕፃንነቱ ናይ ኲሉ ጐይታ እንተ ኾነ እኳ ካብ ባርያ ኣይፍለን።
[2] ክሳዕ እቲ ኣቦኡ ዝወሰነሉ ጊዜ ኣብ ትሕቲ ሥልጣን ሓለውትን መገብትን እዩ።
[3] ከምኡውን ንሕና ሕፃናት እንተለና ኣብ ትሕቲ ኣተሓሳስባ ዓለም ባሮት ኴንና ነበርና።
[4] -
[5] ጊዜኡ ምስ በጽሐ ግና እግዚኣብሔር ነቶም ኣብ ትሕቲ ሥልጣን ሕጊ ዝነበሩ ምእንቲ ኸድኅን ንሕናውን ናይ ውሉድነት ሥልጣን ምእንቲ ኽንረክብ ንወዱ ለኣኾ፤ ካብ ሰበይትውን ተወለደ፤ ንሕጊውን ተኣዛዚ ኾነ።
[6] ውሉድ ስለ ዝኾንኩም ከዓ ነቲ ኣባ! ኣቦ! ኢሉ ዝጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብኹም ለኣኾ።
[7] ደጊም ውሉድ እምበር ባሮት ኣይኮንኩምን። ውሉድ ካብ ኮንኩም ከዓ ናይ እግዚኣብሔር ወረስቲ ኢኹም።
[8] ቀደም ንእግዚኣብሔር ከይፈለጥኩምዎ እንተለኹም ነቶም ብባህሪዮም ኣማልኽቲ ዘይኮኑ ብባርነት ትግዝኡ ነበርኩም።
[9] ሕዚ ግና ንእግዚኣብሔር ምስ ፈለጥኩምዎ ብኅልፊ እኳ እግዚኣብሔር ንኣኻትኩም ምስ ፈለጠኩም ከመይ ኢልኩም ናብቲ ድኹምን ዘይጠቅምን ሥርዓት ዓለም ትምለሱ ኣለኹም? ከም ብሓድሽዶ ንኣኣቶም ክትግዝኡ ትደልዩ ኣለኹም?
[10] ንስኻትኩም ፍሉያት መዓልትታትን ኣዋርኅን ዘመናትን ዓመታትን ተኽብሩ ኣለኹም።
[11] ኣባኻትኩም ንኸንቱ ደኺመ ኸይከውን እፈርኅ ኣለኹ።
[12] ኣቱም ኣኅዋተይ! ከምቲ ኣነ ንኣኻትኩም ዝመሰልኩ ንስኻትኩምውን ንኣይ ክትመስሉ እልምነኩም ኣለኹ፤ ሓንቲ እኳ ኣይበደልኩምንን።
[13] ከምቲ እትፈልጥዎ ብመጀመርታ ጊዜ ወንጌል ዝሰበኽኩልኩም ሓሚመ እንተለኹ እዩ ነይሩ።
[14] እቲ ሕማመይ ንኣኻትኩም ፈተና እኳ እንተ ነበረ ኣይነዓቕኩምንን፤ ኣይተጸየፍኩምንን። እኳ ደኣ ኸም መልኣኽ እግዚኣብሔር ከም ክርስቶስ ኢየሱስ ጌርኩም ተቐበልኩምኒ እምበር።
[15] እቲ ኣኽብሮትኩም ደኣ ሎሚ ናበይ ከደ? ዝከኣል ነይሩ እንተ ዝኸውን ዓይንኹም እኳ እንተይተረፈ ኣውፂእኹም ምሃብኩምኒ ነይርኩም ኢለ ባዕለይ እምስክረልኩም ኣለኹ።
[16] እሞኸ ሓቂ ስለ ዝነገርኩኹምዶ ጸላኢ ኾይነኩም እየ?
[17] እቶም ንኣኻትኩም ዝኃልዩ ዝመስሉ ዘለዉ ካባይ ምእንቲ ኽፈልዩኹም እሞ ንኣኣቶም እትኃልዩ ኽገብሩኹም ኢሎም እዮም እምበር ንሠናይኩም ኢሎም ኣይኮኑን።
[18] ንጽቡቕ ደኣ ይኹን እምበር ንሰብ ምሕላይ ሠናይ እዩ፤ እዙይ ግና ኣነ ምሳኻትኩም እንተለኹ ጥራሕ ዘይኮነስ ኲሉ ጊዜ ክኸውን ኣለዎ።
[19] ኣቱም ደቀይ! ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዝቕረጽ መሊሰ ንኣኻትኩም ከም ሕማም ሕርሲ እፀዓር ኣለኹ።
[20] እቲ ብዛዕባኻትኩም ዝብሎ ምእንቲ ኽፈልጥ ምሳኻትኩም እንተ ዝህሉ ጽቡቕ ነይሩ፤ ሕዚ ግና ዝብሎ ጠፊኡኒ ኣሎ።
[21] ኣቱም ብሥርዓት ኦሪት ንንበር እትብሉ ዘለኹም እስኪ ንገሩኒ፤ ንኦሪት ኣይትሰምዕዋን ዲኹም?
[22] ኣብርሃም ክልተ ኣወዳት ሓደ ኻብታ ገረድ ሓደ ኸዓ ኻብታ እመቤት ከም ዝወለደ ተጽሒፉ እዩ።
[23] ወዲ እታ ገረድ ብባህርያዊ መንገዲ ተወልደ፤ ወዲ እታ እመቤት ግና በቲ ተውሂቡ ዝነበረ ተስፋ ተወልደ።
[24] እዙይ ምሳሌ እዩ፤ እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ክልተ ኺዳን እየን ዘመልክታ። ብኣጋር ዝተመሰለት እታ ንባርነት እትወልድ ናይ ደብረ ሲና ኺዳን እያ።
[25] ኣጋር ከዓ ኣብ ሃገር ዓረብ ዘላ ደብረ ሲና እያ እተመልክት። ንሳ ምሳሌ ናይታ ሕዚ ምስ ደቃ ኣብ ባርነት ዘላ ኢየሩሳሌም እያ።
[26] እታ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ግና እመቤት እያ፤ ንሳ ኸዓ እኖና እያ።
[27] ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን ደስ ይበልኪ! ኣቲ ንምውላድ ዘይፀዓርኪ ዕልል በሊ! ጽርሒ! ካብ ደቂ እታ ሰብኣይ ዘለዋስ ደቂ እታ ንበይና ዘላ ይበዝኁ ዝብል ተጽሒፉ ኣሎ እሞ።
[28] ኣኅዋተይ! ንሕና ኸም ይስሓቅ ደቂ ተስፋ ኢና።
[29] ግና ኸምቲ ሽዑ እቲ ብናይ ሥጋ ዝተወልደ ነቲ ብናይ መንፈስ ዝተወልደ ዝሰጐጎ ሕዚውን ከምኡ እዩ።
[30] እቲ ጽሑፍ ግና ወዲ እታ ባርያ ምስ ወዲ እታ እመቤት ኣይወርስን እዩ እሞ ነታ ባርያ ምስ ወዳ ስደዳ ይብል።
[31] ስለዙይ ኣኅዋተይ! ንሕና ደቂ እታ እመቤት እምበር ደቂ እታ ገረድ ኣይኮንናን።