[1] ኣቱም ዘይተስተውዕሉ ሰብ ገላትያ መን እዩ ዝዓዘመኩም? ኢየሱስ ስቑል ኮይኑ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹምዶ ተስኢሉ ኣይነበረን?
[2] ካባኻትኩም ክፈልጣ ዝደሊ ሓንቲ ነገር ጥራሕ ኣላ፤ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልኩምዎ ሕጊ ብምፍጻም ዲኹም ወይ ነቲ ዝሰማዕኹምዎ ብሥራት ብምእማን?
[3] ክሳዕ ክንድዙይዶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም? ብመንፈስ ጀሚርኩም ሕዚ ብሥጋ ኽትፍጽሙዶ ትደልዩ ኣለኹም?
[4] ክንድዙይ ዝኣክል መከራ ተቐቢልኩምስ ንኸንቱ ገይርኩምዎ? ብሓቂ እንተድኣ ኸምኡ ኾይኑስ ከንቱ እዩ።
[5] እግዚኣብሔር ብመንፈሱ ዝመልአኩምን ኣብ ማእኸልኩም ከዓ ተኣምራት ዝገብርን ሕጊ ስለ ዝፈጸምኩም ድዩ ወይ ነቲ ዝሰማዕኹምዎ ብሥራት ስለ ዝኣመንኩም?
[6] ከምኡ ኸዓ ኣብርሃም ብእግዚኣብሔር ኣመነ፤ እምነቱውን ጽድቂ ኾይኑ ተቖጸረሉ።
[7] እምበኣር እቶም ዝኣመኑ ሰባት ደቂ ኣብርሃም ከምዝኾኑ ፍለጡ።
[8] ቅዱስ መጽሓፍውን እግዚኣብሔር ነሕዛብ ብእምነት ከም ዘጽድቖም ኣቐዲሙ ሪኡ ኲሎም ኣሕዛብ ብኣኻ ኽባረኹ እዮም እናበለ ኣቐዲሙ ንኣብርሃም ኣብሠሮ።
[9] ስለዙይ እቶም ዝኣምኑ ሰባት ምስቲ ዝኣመነ ኣብርሃም ዝተባረኹ እዮም።
[10] ነቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎ ዂሉ ዘይፍጽም ዝተረገመ እዩ ዝብል ተጽሒፉ እዩሞ እቶም ኣብ ምፍጻም ሕጊ ዝተኣማመኑ ዂሎም ኣብ ትሕቲ መርገም እዮም።
[11] ሕዚ ግና ጻድቕ ብእምነት ይነብር ከም ዝብሎ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሕጊ ብምፍጻም ዝጸድቕ ከም ዘየለ ርግጽ እዩ።
[12] ሕጊ ኣብ እምነት ዝተመሥረተ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ሕጊ እቲ ንሕጊ ብምልኣት ዝፍጽም ብእኡ ሕያው ኮይኑ ክነብር እዩ ዝብል ትእዛዝ ኣለዎ።
[13] ኣብ ዕንፀይቲ ዝተሰቐለ ዝተረገመ እዩ ዝብል ጽሑፍ ከም ዘሎ ክርስቶስ ክንዳና ኸም ዝተረገመ ሰብ ኮይኑ ካብ ናይ ሕጊ መርገም ተቤዘወና።
[14] እዙይ ከዓ እቲ በረኸት ኣብርሃም ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣብ ኣሕዛብ ምእንቲ ኽወርድ ንሕና ኸዓ ነቲ ብእግዚኣብሔር ዝተተስፈወልና መንፈስ ቅዱስ ብእምነት ምእንቲ ኽንቅበል እዩ።
[15] ኣኅዋተይ! እስኪ ካብ ዕለታዊ ሕይወት ወዲ ሰብ ሓደ ኣብነት ክንርኢ፦ ሰብ እኳ ዝኣተዎ ኺዳን ከፍርስ ወይ ክውስኸሉ ኣይኽእልን።
[16] እቲ ተስፋ ንኣብርሃምን ንዘርኡን እዩ ተውሂቡ ዝነበረ። ንብዙኃት ከምዝብል ነዝርእትኻ ኣይበለን፤ እንተኾነ ንሓደ ኸም ዝብል ንዘርእኻ በለ እምበር። ንሱ ኸዓ ክርስቶስ እዩ።
[17] እቲ ኽብሎ ዝደሊ ዘለኹ እዙይ እዩ፦ ድኅሪ ኣርባዕተ ሚእትን ሠላሳን ዓመት ሕጊ መጸ። ግና እዝ ሕጊ እዙይ ነቲ ተስፋ ኸንቱ ኽገብሮ ኢሉ ነቲ እግዚኣብሔር ቀደም ዘጽንዖ ኺዳን ኣየፍርሶን እዩ።
[18] እቲ ዝውረስ ብሕጊ እንተ ዝኸውንስ ደጊም ብተስፋ ኣይምኾነን ነይሩ። እግዚኣብሔር ግና ንኣብርሃም ብተስፋ እዩ ዝሃቦ።
[19] ሕጊ ደኣ ንምንታይ መጸ? እቲ ተስፋ ዝተገብረሉ ዘርኢ ኽሳዕ ዝመጽእ ኃጢኣት እንታይ ከም ዝኾነ ኽገልጽ ዝተወሰኸ እዩ። ብመላእኽቲ ኣቢሉ ብኢድ እቲ ዓራቒ ዝኾነ ሰብ እዩ ዝተውሃበ።
[20] እቲ ዓራቒ ኣብ መንጎ ኽልተ ወገን እምበር ንሓደ ኣይኸውንን፤ እግዚኣብሔር ግና ሓደ እዩ።
[21] እምበኣር ሕጊ ነቲ ብእግዚኣብሔር ዝተውሃበ ተስፋ ይቃረን ድዩ? ፈጺሙ ኣይቃረንን! ሕያው ክገብር ዝኽእል ሕጊ ተውሂቡ ነይሩ እንተ ዝኸውን ብርግጽ ጽድቂ ብሕጊ ምኾነ ነይሩ።
[22] እቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ዝርከብ ተስፋ ነቶም ዝኣምኑ ጥራሕ ምእንቲ ኽወሃብ ቅዱስ መጽሓፍ ኲሉ ዓለም ኣብ ትሕቲ ሥልጣን ኃጢኣት ከም ዝኾነ ገለጸ።
[23] እዛ እምነት እዚኣ ቕድሚ ምምጽኣ ንሕና ነታ ኽትግሃድ ዘለዋ እምነት እናተጸበና ኣብ ትሕቲ ሕጊ ተዓጺና ንሕሎ ነበርና።
[24] ስለዙይ ከዓ ብእምነት ምእንቲ ኽንጸድቕስ ናብ ክርስቶስ ከብጽሐና እቲ ሕጊ መጕዚት ኮነና።
[25] እምነት ምስ መጸት ግና ደጊም ትሕቲ መጕዚት ምዃን ኣየድልየናን።
[26] ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ኲልኻትኩም ውሉድ እግዚኣብሔር ኢኹም።
[27] ብክርስቶስ ዝተጠመቕኩም ኲልኻትኩም ንክርስቶስ ለቢስኩምዎ ኢኹም።
[28] ኲልኻትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ሓደ ኢኹም እሞ በዙይ ኣይሁዳዊ ወይ ግሪካዊ ባርያ ወይ ጭዋ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ ዝብል ኣፈላላይ የለን።
[29] እምበኣር ናይ ክርስቶስ ካብ ኮንኩም ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም፤ ከምቲ ተስፋውን ወረስቲ ኢኹም።