[1] ብፍቓድ እግዚኣብሔር ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓዋርያ ካብ ዝኾነ ጳውሎስ ናብቶም ኣብ ኤፌሶን ዘለዉ ኣመንትን ብኢየሱስ ክርስቶስ ከዓ እሙናትን
[2] ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።
[3] እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ኲሉ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚኣብሔር ይመስገን።
[4] ኣብ ቅድሚኡ ቕዱሳንን ነውሪ ዘይብልናን ምእንቲ ኽንከውን ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኃረየና።
[5] ስለ ዘፍቀረና ብጽቡቕ ፍቓዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ ናቱ ውሉድ ክንከውን ኣቐዲሙ መረጸና።
[6] እዙይ ከዓ በቲ ዘፍቅሮ ወዱ ገይሩ ዝሃበና ኽቡር ጸጋ ምእንቲ ኽምስገን ኢሉ እዩ።
[7] ብእኡ ማለት ብደሙ ድኅነት ከምቲ ሃብቲ ጸጋኡ ድማ ኅድገት ኃጢኣት ረኸብና።
[8] ንሱ ነዝ ጸጋ እዙይ ብዂሉ ጥበብን ፍልጠትን ኣብ ልዕሌና ኣብዝሖ።
[9] ጽቡቕ ፍቓዱ ኾይኑ ኸዓ ነቲ ብክርስቶስ ገይሩ ኣቐዲሙ ዝወሰኖ ናይ ፍቓዱ ምሥጢር ኣፍለጠና።
[10] እዙይ ከዓ እቲ ጊዜ ምስ በጽሐ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዂሉ ኣብ ትሕቲ ሥልጣን ክርስቶስ ምእንቲ ኽጥቕለል እዩ።
[11] -
[12] ንሕና ኣቐዲምና ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና ንናይ ክብሩ ምስጋና ምእንቲ ኽንከውን እቲ ብፍቓዱ ንዂሉ ነገራት ከም ምኽሩ ዝገብር እግዚኣብሔር ወረስቲ ኽንከውን ብወዱ ኃረየና።
[13] ንስኻትኩምውን ነቲ ናይ ምድኃንኩም ቃል ሓቂ ዝኾነ ወንጌል ምስ ሰማዕኹም ብእኡውን ምስ ኣመንኩም በቲ ዘተስፈዎ መንፈስ ቅዱስ ሓቲሙ ናቱ ገበረኩም።
[14] ንኽብሩ ምስጋና ክኸውን እግዚኣብሔር ነቶም ናይ ባዕሉ ዝኾኑ ዂሎም ክሳዕ ዘድኅኖም መንፈስ ቅዱስ ነቲ ኽንረኽቦ ዘለና ርስቲ መተኣማመኒ እዩ።
[15] ኣነውን እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኩም እምነትን ንዂሎም ሕዝቢ እግዚኣብሔር ዘለኩም ፍቕርን ካብ ዝሰምዕ ጀሚረ
[16] ኣብ ጸሎተይ እናዘከርኩኹም ምእንታኻትኩምውን ንእግዚኣብሔር ምምስጋን ኣብኲረ ኣይፈልጥን።
[17] ነቲ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚኣብሔር ኣቦ ኽብሪ ብዝበለጸ ምእንቲ ኽትፈልጥዎ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላጽን ምእንቲ ኽህበኩም
[18] ኣዒንቲ ልብኹም በሪሁ ናይቲ ዝጸውዐኩም ተስፋ እንታይ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ እቲ ንኣመንቲ ዘተስፈዎም ክቡር ርስቲ ኽንደየናይ ብዙኅ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽተስተውዕሉ እጽሊ ኣለኹ።
[19] ኣባና ኣብ እንኣምን ከዓ እቲ ኽግመት ዘይከኣል ዕቤት ኃይሉ እንታይ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ እጽሊ ኣለኹ። እዝ ኣባና ዝሠርሕ ዘሎ ኃይሉ ኸዓ
[20] እቲ ንክርስቶስ ካብ ሞት ዘተሥአሉን ኣብ ሰማያት ኣብ የማኑ ዘቐመጠሉን ኃይሉ እዩ።
[21] ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብታ እትመጽእ ዓለምውን ኣብ ልዕሊ ግዝኣትን ሥልጣንን ኃይልን ምልክን ሸይሙ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ዝጽዋዕ ስም ሃቦ።
[22] ንዂሉ ኸዓ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዝኦ። ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ገይሩውን ኣብ ልዕሊ ዂሉ ሸሞ።
[23] ንሳ ኣካሉ እያ፤ ንኣኣን ንዂሉን ዝመልእ ናይ ክርስቶስውን ምልኣቱ እያ።