Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:27

[1] ኣቱም ውሉድ ግቡእ እዩ እሞ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም።

[2] -

[3] ምእንቲ ኽቐንዐካ ኣብ ምድሪ ኸዓ ነዊኅ ዕድመ ምእንቲ ኽህልወካ ዝብል ተስፋ ዝኃዘ ቐዳማይ ትእዛዝ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር ዝብል እዩሞ።

[4] ኣቱም ወለዲውን ብናይ ጐይታ ሥነ ሥርዓትን ምኽርን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር ንደቅኹም ኣይተቖጥዕዎም።

[5] ኣቱም ኣገልገልቲ ነቶም ብሥጋ ጐይቶትኩም ብፍርኃትን ብራዓድን ብቕኑዕ ልብን ከም ንክርስቶስ ጌርኩም ተኣዘዝዎም።

[6] ከም ኣገልገልቲ ክርስቶስ ንፍቓድ እግዚኣብሔር ብልቢ እናፈጸምኩም እምበር ንሰብ ክተሐጕሱ ኢልኩም ንይምሰል ኣይትግበርዎ።

[7] ንሰብ ዘይኮነስ ከም ንጐይታ እተገልግሉ ካብ ልቢ ኣገልግሉ።

[8] ኣገልጋሊ ኾነ እቲ ተገልጋሊ ነፍሲ ወከፍ ሠናይ ዝገበረ ካብ እግዚኣብሔር ዓስቡ ኸም ዝቕበል ፍለጡ።

[9] ንስኻትኩምውን ኣቱም ጐይቶት ልክዕ ከምኡ ግበሩሎም። ኣብ ሰማይ ዘሎ ናታቶምን ናታትኩምን ጐይታ ገጽ ሰብ ሪኡ ዘየዳሉ ምዃኑ ፈሊጥኩም ኣይተፈራርኅዎም።

[10] ብዝተረፈ ኣኅዋተይ! ብጐይታን ብጽንዓት ኃይሉን ጠንክሩ።

[11] ንተንኰል ሰይጣን ምክልኻል ምእንቲ ኽትክእሉ ኣጽዋር እግዚኣብሔር ብምሉኡ ልበሱ።

[12] ውግእና ምስሕሉቕን ሥልጣናትን ምስቶም ነዝ ዘመን ጸልማት ዘመኃድሩ ገዛእቲ ዓለምን ምስቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ኽፉኣት መናፍስትን እዩ እምበር ምስ ሰባት ኣይኮነን።

[13] እምበኣር በታ ኽፍእቲ መዓልቲ ምክልኻል ምእንቲ ኽትክእሉ ኲሉ ሥዒርኩም ድማ ደው ክትብሉስ ምሉእ ኣፅዋር እግዚኣብሔር ልበሱ።

[14] ደጊም ሕቖኹም ብሓቂ ተዓጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ።

[15] ነቲ ሰላም ዝህብ ወንጌል ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሣእን ብምእታው ተዳሊኹም ደው በሉ።

[16] ኣብ ርእሲ እዝ ዂሉ ኸዓ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ሃልሃል ዝብል ፍላጻታት ኲሉ ኽተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ።

[17] ናይ ምድኃን ቆብዕ ሓፂን ድፍኡ፤ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሰይፊውን ማለት ቃል እግዚኣብሔር ኃዙ።

[18] ብኹሉ ጸሎትን ብልመናን ኲልሻዕ ብመንፈስ ጸልዩ። ስለዙይ ከዓ ተስፋ እንተይቈረጽኩም ስለ ዂሎም ኣመንቲ ብጸሎት ትግሁ።

[19] ምእንታይውን ክዛረብ እንተለኹ ነቲ ምሥጢር ወንጌል ብትብዓት ምእንቲ ኽነግር ቃል ክወሃበኒ ጸልዩለይ።

[20] ምእንቲ ወንጌል እሱር ዝኾንኩ ልኡኽ እየ እሞ ከምቲ ዝግብአኒ ብትብዓት ምእንቲ ኽዛረብ ጸልዩለይ።

[21] ሕዚ ኸዓ ኸመይ ከም ዘለኹን እንታይ ከምዝገብርን ምእንቲ ኽትፈልጡ እቲ ፍቑር ኃወይን ብጐይታ ኸዓ እሙን ኣገልጋልን ዝኾነ ቲኪቆስ ኲሉ ኽነግረኩም እዩ።

[22] ናባኻትኩም ዝሰደድክዎውን ብዛዕባና ዂሉ ፈሊጥኩም ልብኹም ምእንቲ ኽጸናናዕ ኢለ እየ።

[23] ሰላምን ፍቕርን ምስ እምነት ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ነቶም ኣኅዋትና ይኹን።

[24] ነቶም ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘየቋርጽ ፍቕሪ ዘፍቅሩዎ ዂሎም ጸጋ ይኹነሎም።

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን — Chapters