Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:26

[1] እምበኣር ኣነ ንጐይታ ብምግልጋለይ ዝተኣሰርኩ ነቲ ዝተጸዋዕኹምሉ ጽወዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትነብሩ እልምነኩም ኣለኹ።

[2] ብሓቂ ትሑታት ከምኡውን ለዋሃት ኩኑ፤ ንስንሳትኩም ብፍቕሪ እናተፃወርኩም ድማ ዕጉሣት ኩኑ።

[3] ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝረኸብኩምዎ ኅብረት ብመእሰር ሰላም ጠሚርኩም ክትሕልውዎ ፀዓሩ።

[4] ከምቲ ንሓደ ተስፋ ዝተጸዋዕኹምዎ ሓደ ሰብነት ሓደ መንፈስ ቅዱስ ኣሎ።

[5] ሓደ ጐይታ ሓንቲ እምነት ሓንቲ ጥምቀት

[6] ከምኡውን እቲ ልዕሊ ዂሉን ብዂሉን ኣብ ኲሉን ኣቦ ዂሉን ዝኾነ ሓደ እግዚኣብሔር ኣሎ።

[7] ግና ከምቲ ክርስቶስ ዝዓደለና ንነፍስ ወከፍና ጸጋ ተውሂቡ እዩ፤

[8] ስለዙይ ድማ እዩ ናብ ላዕሊ ምስ ዓረገ ብዙኃት ምሩኻት ኂዙ ኸደ፤ ንደቂ ሰብ ከዓ ውህብቶ ሃበ ዝብል።

[9] ዓረገ ማለት ናብ ታሕተዋይ ምድሪ ወሪዱ ኸም ዝነበረ ማለት እንተ ዘይኮይኑ እንታይ ክኸውን ይኽእል?

[10] እቲ ናብ ታሕተዋይ ዝወረደ ድማ ንዂሉ ብህላዌ ምእንቲ ኽመልእ ልዕሊ ዂሉ ሰማያት ዝዓረገ ንሱ እዩ።

[11] ንሱ ኸዓ ንገሊኦም ሓዋርያት ንገሊኦም ነቢያት ንገሊኦም ሰበኽቲ ወንጌል ንገሊኦም ሓለውቲ ምእመናን ንገሊኦም ድማ መምህራን ገይሩ ውህብቶ ሃበ።

[12] እዙይ ከዓ እታ ሰብነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኽትሕነጽ እቶም ቅዱሳንውን ኣብ ኣገልግሎቶም ፍጹማን ምእንቲ ክኾኑ

[13] ንሕና ኸዓ ዂልና ብእምነት ሓደ ዄንና ንወዲ እግዚኣብሔር ፈሊጥና ምሉእ ሰብ ብምዃን ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ፍጹምነት ክሳዕ እንበጽሕ እዩ።

[14] እምበኣር ብጥበራን ብተንኰልን ብዝመጽእ ናይ ትምህርቲ ንፋስ ከም ሕፃናት ነየው ነዘው እናተደፋእና ኣይንውሰድን።

[15] እኳ ደኣ ነቲ ሓቂ ብፍቕሪ እናተዛረብና ብዂሉ ነገር ናብቲ ርእሲ ዝኾነ ክርስቶስ ንዕበ።

[16] ብክርስቶስ ከዓ ዂሉ እቲ ሰብነት ብምሉኡ በቲ ዝተውሃቦ መገጣጠሚ ተተኃኂዙን ተጠሚሩን ነፍስ ወከፍ ድማ ናይ ባዕሉ ሥራሕ እናገበረ ብፍቕሪ የዓብን ይሕነጽን።

[17] እምበኣርከ ንስኻትኩም ድኅሪ ደጊም ከምቲ ኣሕዛብ በቲ ኸንቱ ዝኾነ ሓሳባት ዝነብሩዎ ኸይትነብሩ ብጐይታ እነግረኩምን ኣጠንቅቐኩምን ኣለኹ።

[18] ንሳቶም ብሰንኪ ትረት ልቦምን ብሰንኪ እቲ ኣብኣቶም ዘሎ ድንቊርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ ካብቲ እግዚኣብሔር ዝህቦ ሕይወት ርኂቖም እዮም።

[19] ንሳቶም ደንዚዞም እዮም፤ ርኽሰት ንምግባር ስለ ዝሰስዑ ኸዓ ንባዕልቶም ንሥጋዊ ድልየቶም ኣኅሊፎም ሂቦም እዮም።

[20] ንስኻትኩም ግና ንክርስቶስ ከምዙይ ጌርኩም ኣይተምሃርኩምዎን።

[21] እንተ ደኣ ብሓቂ ሰሚዕኹምዎ ዄንኩም ብእኡ ኸዓ እንተ ደኣ ተምሂርኩም ኴንኩም ሓቂ ኣብ ኢየሱስ ስለ ዘሎ

[22] ነቲ ቐደም ትነብሩሉ ዝነበርኩም ብኽፉእ ትምኒት ዝተበላሸወ ኣረጊት ሰብነትኩም ቀንጥጡ፤

[23] በተሓሳስባኹምውን ተሓደሱ።

[24] ነቲ ብኣርኣያ እግዚኣብሔር ብጽድቅን ብቕድስናን ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ከዓ ልበስዎ።

[25] እምበኣር ኲልና ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ስለ ዝኾንና ነፍስ ወከፍ ሓሰት ምዝራብ ገዲፉ ምስ ብጻዩ ሓቂ ይዛረብ።

[26] ተቖጥዑ ፤ ግና ኃጢኣት ኣይትግበሩ፤ ኣብ ቊጥዓኹም ፀሓይ ኣይትዕረብኩም፤

[27] ንዲያብሎስ ከዓ መንገዲ ኣይትሃብዎ።

[28] እቲ ሰራቒ ዝነበረ ደጊም ኣይስረቕ፤ እኳ ደኣ ነቲ ዝጸገሞ ዘማቕሎ ምእንቲ ኽህልዎስ ጽቡቕ ሥራሕ እናገበረ ደኣ በእዳዉ ይፅዓር እምበር።

[29] እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዝኸውን ከከም ዘድልዮም ክሓንጽ ዝኽእል ሠናይ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር ዘይግባእ ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውፃእ።

[30] ንመዓልቲ ድኅነትኩም እተኃተምኩምሉ ነቲ ቕዱስ ናይ እግዚኣብሔር መንፈስ ኣይተኅዝንዎ።

[31] ኲሉ ምረትን ንደትን ቊጥዓን ሁከትን ጸርፍን ካባኻትኩም አርሕቑ።

[32] ከምቲ እግዚኣብሔር ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም ንስንሳትኩም ለዋሃትን ርኅሩኃትን ኴንኩም ይቕረ ተበሃሃሉ።

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን — Chapters