[1] ንስኻትኩም ብበደልኩምን ብኃጢኣትኩምን ምዉታን ነበርኩም።
[2] ብናይ ዓለም ክፉእ መንገዲውን ትነብሩ ነበርኩም፤ ነቲ ሕዚ ነቶም ንእግዚኣብሔር ዘይእዘዙ ሰባት ዝመልኽ ርኹስ መንፈስ ኣብ ኣየር ናይ ዘለዉ ሓለቓ መናፍስቲ ድማ ትእዘዙ ነበርኩም።
[3] ንሕናውን ቀደም ኲልና ኸምኣቶም ትምኒት ሥጋና እናፈጸምና ከም ድሌትናን ሓሳብናን ንነብር ነበርና። ብባህርይና ኸምቶም ካልኦት ትሕቲ ቝጥዓ እግዚኣብሔር ነበርና።
[4] ግና እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ እግዚኣብሔር ምእንቲ እታ ብኣኣ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ
[5] ብበደልና ምዉታን እኳ እንተ ነበርና ምስ ክርስቶስ ሕያዋን ገበረና፤ ብጸጋ ኢኹም ዝደኃንኩም።
[6] እግዚኣብሔር ምስ ክርስቶስ ኣተሥአና፤ ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ኸዓ ኣብ ሰማያት ምስኡ ኣቐመጠና።
[7] እዙይ ከዓ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገለጸልና ሕያዋይነት ማለት ነቲ ዓቐን ዘይብሉ ሃብቲ ጸጋኡ ምእንቲ ኸርኢ ኢሉ እዩ።
[8] ንክርስቶስ ብምእማን ብጸጋ ኢኹም ዝደኃንኩም። እዙይ ከዓ ውህብቶ እግዚኣብሔር እዩ እምበር ካባኻትኩም ኣይኮነን።
[9] ሓደኳ ኸይምካሕስ ብግብሪ ኣይኮነን።
[10] ንሕና ነቲ እግዚኣብሔር ኣቐዲሙ ዘዳለወልና ሠናይ ተግባራት እናፈጸምና ምእንቲ ኽንነብር ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈጠረና ፍጡራት እግዚኣብሔር ኢና እሞ።
[11] እምበኣር ንስኻትኩም ቀደም ብትውልድኹም ኣሕዛብ ዝነበርኩም እቶም ግሩዛት በታ ኣብ ሥጋ እትግበር ግርዘት ብምምካሕ ዘይግሩዛት ኢሎም ይጽውዑ ኹም ከም ዝነበሩ ዘክሩ።
[12] ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኻብ እግዚኣብሔር ዝረኃቕኩም ካብ ኅብረት እስራኤል ፍሉያት ነታ ኺዳን ተስፋ ኣጋይሽ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኸዓ ብዘይ እግዚኣብሔር እትነብሩ ተስፋ ዘይብልኩም ከም ዝነበርኩም ዘክሩ።
[13] ሕዚ ግና ንስኻትኩም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም ብኢየሱስ ክርስቶስ ኮይንኹም ብደሙ ቐረብኩም።
[14] ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ናይ ጽልኢ መንደቕ ብሥጋኡ ብምፍራስ ነቶም ክልተ ሓደ ዝገበረ ንሱ ሰላምና እዩ እሞ።
[15] ነቶም ክልተ ዝነበሩ ብእኡ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኽገብሮም ንሕጊ ምስ ትእዛዛቱን ሥርዓቱን ብሥጋኡ ስዒሩ ሰላም ገበረ።
[16] ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብሙማት ነቲ ጽልኢ ደምሰሶ፤ ንኽልቲኦም ሓደ ብምግባር ከዓ ብመስቀሉ ምስ እግዚኣብሔር ኣተዓረቖም።
[17] መጺኡ ኸዓ ንኣኻትኩም ርሑቓት ንዝነበርኩምን ነቶም ቀረባ ዝነበሩን ሰላም ኣብሠረ።
[18] ክልቴና ብእኡ ጌርና ብሓደ መንፈስ ተመሪሕና ኢና ናብ ኣብ እንኣቱ እሞ።
[19] -
[20] እምበኣር ንስኻትኩም ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝኾነ መሠረት ነቢያትን ሓዋርያትን ዝተሃነጽኩም ደጊም ንቕዱሳን ደቂ ዓዶም ንእግዚኣብሔር ድማ ቤተ ሰቡ ኢኹም እምበር ኣጋይሽን ስደተኛታትን ኣይኮንኩምን።
[21] እቲ ሕንፃ ብምሉኡ ዝተቐደሰ ቤተ መቅደስ ምእንቲ ክኸውን ብጐይታ እናተገጣጠመ የዓቢ።
[22] ንስኻትኩምውን ብመንፈስ ቅዱስ መኅደሪ እግዚኣብሔር ክትኮኑ ኃቢርኩም ብእኡ ትህነጹ ኣለኹም።