[1] እምበኣር ከም ፍቑራት ውሉድ ንእግዚኣብሔር ምሰሉ።
[2] ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረና ሓደ ምዑ ዝ ዝሽታኡ መባእን መሥዋዕትን ገይሩ ንርእሱ ምእንታና ኣኅሊፉ ዝሃበ ንስኻትኩምውን ብፍቕሪ ጸኒዕኹም ንበሩ።
[3] ቅዱስ ንዝኾነ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ኣይግባእን እዩ እሞ ዝሙት ዝኾነ ዓይነት ርኽሰት ከትሪ ወይ ስስዐ ኣባኻትኩም ከቶ ኣይሰማዕ።
[4] እኳ ደኣ ንእግዚኣብሔር ምስጋና እምበር ዘሕንኽ ወይ ዘነውር ዘረባ ወይ ዋዛ ኣባኻትኩም ክስማዕ ኣይግባእን እዩ።
[5] ዘማዊ ርኹስ ወይ ጣዖት ከም ምምላኽ ዝቝጸር ስስዐ ዘለዎ ሰብ ኣብ መንግሥቲ ክርስቶስን እግዚኣብሔርን ርስቲ ኸምዘይብሉ ፍለጡ።
[6] ብሰንኪ እዝ ነገራት እዙይ ኣብቶም ንእግዚኣብሔር ዘይእዘዙ ሰባት ቊጥዓ እግዚኣብሔር ክወርድ እዩ እሞ ሓደኳ ብኸንቱ ዘረባ ኣየስሕትኩም።
[7] እምበኣር ምስኣቶም ኅብረት ኣየሃሉኹም።
[8] ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም፤ ሕዚ ግና ብጐይታ ብርሃን ኢኹም፤ እምበኣር ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ንበሩ።
[9] ፍረ ብርሃን ኣብ ኲሉ ሠናይን ቅንዕናን ሓቅን እዩ ዝርከብ እሞ።
[10] እምበኣር እቲ ንእግዚኣብሔር ዘሐጕሶ እንታይ ከም ዝኾነ መርምሩ።
[11] ኣቃልዕዎ ደኣ እምበር ምስ ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ጸልማት ኅብረት ኣየሃሉኹም፤
[12] እቲ ንሳቶም ብኅቡእ ዝገብርዎ ንምዝራቡ እኳ ዘኅፍር እዩ።
[13] ኲሉ ነገር እንተ ደኣ ናብ ብርሃን ቀሪቡ ግና ይርአ፤ እቲ ንዂሉ ከም ዝርአ ዝገብር ከዓ ብርሃን እዩ።
[14] ስለዙይ ከዓ እዩ ኣታ ደቂስካ ዘለኻ ተበራበር! ካብ ምዉታንውን ተሥእ! ክርስቶስ ከዓ ኸብርሀልካ እዩ ዝተብሃለ።
[15] -
[16] እምበኣር ተጠንቀቑ! እዝ ዘመን ክፉእ እዩ እሞ ነቲ ዝተውሃበኩም ጊዜ ብምሉኡ ኣብ ረብኃ እናውዓልኩም ከም ዓያሹ ዘይኮነስ ከም ለባማት ንበሩ።
[17] ስለዙይ እቲ ፍቓድ እግዚኣብሔር እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር ዓያሹ ኣይትኹኑ።
[18] ብመንፈስ ቅዱስ ደኣ ተመልኡ እምበር ናብ ጥፍኣት ስለ ዘብጽሕ ብወይኒ ኣይትስከሩ።
[19] ብመዝሙርን ብቕኔን ብመንፈሳዊ ዜማን ንስንሳትኩም ተዘራረቡ፤ ንጐይታ ብምሉእ ልብኹም እናዜምኩምን እናዘመርኩምን ኣመስግኑ።
[20] ንእግዚኣብሔር ኣቦና ስለ ዂሉ ነገር ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኲሉ ሻዕ ኣመስግንዎ። ብዛዕባ ሰብኣይን ሰበይትን
[21] ንክርስቶስ ካብ ዘለኩም ፍርኃት ዝተልዓለ ንስንሳትኩም እዙዛት ኩኑ።
[22] ኣትን ኣንስትውን ከም ንክርስቶስ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም።
[23] ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ሰብኣይ ከዓ ርእሲ ሰበይቱ እዩ። ክርስቶስ ድማ ናይታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን መድኅን እዩሞ።
[24] ከምቲ ቤተ ክርስቲያን ንክርስቶስ እትእዘዞ ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዂሉ ይተኣዘዛኦም።
[25] ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያን ከምዘፍቀራ ርእሱውን ቤዛ ገይሩ ከምዝሃበላ ኣቱም ሰብኡትውን ነንስትኹም ኣፍቅርወን።
[26] ክርስቶስ ንቤተ ክርሰቲያን እዙይ ዝገበረ ብምሕጻብ ማይ ብቓሉ ኣጽርዩ ምእንቲ ኽቕድሳ እዩ።
[27] ርስሓት ወይ ምጭምዳድ ወይ ድማ ንእኡ ዝመስል ካልእ ክፍኣት ዘይብላ ቅድስትን ነውሪ ዘይብላን ክብርቲ ቤተ ክርስቲያን ገይሩ ንባዕሉ ምእንቲ ኸቕርባ እዩ።
[28] ከምኡ ኸዓ ኣቱም ሰብኡት ነተን ኣንስትኹም ከም ሰብነትኩም ጌርኩም ኣፍቅርወን። እቲ ንሰበይቱ ዘፍቅር ንባዕሉ እዩ ዘፍቅር።
[29] ከምቲ ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያን ዝከናኸና ሰብ ንሰብነቱ ይምግቦን ይከናኸኖን እምበር ሰብነቱ ዝጸልእ ሓደኳ የለን።
[30] ንሕና ኸዓ ኣካላት ሰብነት ክርስቶስ ኢና።
[31] ስለዙይ ሰብኣይ ኣቦኡን እኖኡን ኃዲጉ ምስ ሰበይቱ ሓደ ይኸውን፤ ክልቲኦም ከዓ ሓደ ኣካል ይኾኑ።
[32] እዝ ምሥጢርዙይ ዓብዪ እዩ፤ ኣነ ግና ብክርስቶስን ብቤተ ክርስቲያንን እምስሎ ኣለኹ።
[33] ስለዙይ ነፍስ ወከፍ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ተኽብሮ።