Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 2:59

[1] ስለዙይ ኣቱም ኣሕዛብ! ኣነ ጳውሎስ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ እሱር ዝኾንኩ ምእንታኻትኩም ኢለ እየ።

[2] ብርግጽ ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሔር ንጥቕምኹም ዝሃበኒ ናይ ኣገልግሎት ጸጋ ሰሚዕኹምዎ ኣለኹም።

[3] ከምቲ ኣቐዲመ ብሓጺሩ ጽሒፈልኩም ዝነበርኩ እግዚኣብሔር ነቲ ምሥጢር ብራእይ ኣፍለጠኒ።

[4] ነቲ ዝጸሓፍክዎ እንትተንብቡ ብዛዕባ ምሥጢር ክርስቶስ ዘለኒ ፍልጠት ክተስተውዕልዎ ትኽእሉ ኢኹም።

[5] እዙይ ከምቲ ሕዚ ነቶም ቅዱሳን ሓዋርያቱን ነቢያቱን ብመንፈስ ቅዱስ ዝተገለጸሎም ነቶም ቀዳሞት ትውልዲ ኣይተገለጸሎምን።

[6] እዝ ምሥጢር እዙይ ከዓ ኣሕዛብ ብወንጌል ምስ እስራኤል ኃቢሮም ወረስቲ ናይ ሓደ ሰብነት ኣካል ብኢየሱስ ክርስቶስ ከዓ መኻፍልቲ ተስፋ ኸም ዝኾኑ እዩ።

[7] ኣነ ኸዓ በቲ ኣሠራርሓ ኃይሉ ዝተዓደለኒ ውህብቶ ጸጋ እግዚኣብሔር ናይዝ ወንጌል እዙይ ኣገልጋሊ ኾንኩ።

[8] ካብ ኲሎም ቅዱሳን ንዝነኣስኩ ንኣይ ነቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ ነሕዛብ ክሰብኽ እዝ ጸጋ እዙይ ተውሃበኒ።

[9] እቲ ኻብ ዘለዓለም ኣብቲ ንዂሉ ዝፈጠረ እግዚኣብሔር ተሠዊሩ ዝነበረ ናይዝ ምሥጢር እዙይ ኣገልግሎት ከመይ ምዃኑ ንዂሉ ሰብ ምእንቲ ኸብርሀሎም ተውሃበኒ።

[10] -

[11] እዙይ ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሔር ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ገይሩ ዝፈጸሞ ዘለዓለማዊ ምኽሩ ነቲ ብዙኅ ዝዓይነቱ ጥበብ እግዚኣብሔር ብቤተ ክርስቲያን ገይሩ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ኣሕሉቕን ሥልጣናትን ምእንቲ ኸፍልጦም ኢሉ እዩ።

[12] ንሕና ኸዓ ብእኡ ማለት ብክርስቶስ ብምእማን ብትብዓትን ብእምነትን ምእንቲ ናብ እግዚኣብሔር ምቕራብ ክንኽእል እዩ።

[13] ስለዙይ በቲ ምእንታኻትኩም ዝበጽሐኒ መከራ ክብርኹም ስለ ዝኾነ ብመከራይ ተስፋ ኸይትቖርጹ እልምነኩም ኣለኹ።

[14] -

[15] ምእንትዙይውን ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘለዉ ዂሎም ዝጽውዕሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር እምብርከኽ ኣለኹ።

[16] ከምቲ ብዝኂ ኽብሩ ብመንፈስ ቅዱስ ንውሽጣዊ ሰብነትኩም ብኃይሊ ምእንቲ ኸበርትዐኩም እጽሊ ኣለኹ።

[17] ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኽኃድር ኣብ ፍቕሪ ሡር ክትሰዱን ክትምሥረቱን

[18] ምስ ኲሎም ቅዱሳን ኴንኩምውን እቲ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ምግፋሑን ምንዋኁን ምዕማቑን ቁመቱን ክንደይ ዝኣክል ምዃኑ ምስትውዓል ምእንቲ ኽትክእሉ

[19] ነታ ልዕሊ ፍልጠት ዝኾነት ፍቕሪ ክርስቶስ ድማ ኽትፈልጥዋ ክሳዕ ኲሉ ምልኣት እግዚኣብሔር ከዓ ምእንቲ ኽትመልኡ እጽሊ ኣለኹ።

[20] ሕዚውን በቲ ኣብ ውሽጥና ዝሠርሕ ኃይሊ ገይሩ ካብቲ ንሕና እንልምኖን እንሓስቦን ኲሉ እምብዛ ኣብዚኁ ኽገብር ዝከኣሎ እግዚኣብሔር

[21] ካብ ዘለዓለም ንዘለዓለም ንዂሉ ትውልዲታት ብቤተ ክርስቲያንን ብኢየሱስ ክርስቶስን ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን — Chapters