[1] ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልገልቲ ኻብ ዝኾኑ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ናብቶም ኣብ ፊልጵስዩስ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ ዂሎም ኣመንቲ ምስ ኤጲስ ቆጶሳትን ዲያቆናትን።
[2] ናይ እግዚኣብሔር ኣቦናን ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።
[3] ኲልሻዕ ንኣኻትኩም ክዝክር እንተለኹ ንኣምላኸይ አመስግኖ።
[4] ኣብ ኲሉ ጸሎተይ ምእንቲ ዂልኻትኩም ብሓጐስ እጽሊ ኣለኹ።
[5] ካብ መጀመርታ ኽሳዕ ሕዚ ኣብ ስብከት ወንጌል ተሓባበርቲ ስለ ዝኾንኩም ንእግዚኣብሔር አመስግኖ ኣለኹ።
[6] እቲ ኣብ ሕይወትኩም ሠናይ ግብሪ ዝጀመረ እግዚኣብሔር ክሳዕ እታ ክርስቶስ ኢየሱስ ተመሊሱ ዝመጸላ መዓልቲ ኸም ዝፍጽሞ ርግጸኛ እየ።
[7] ኲልኻትኩም ኣብ ልበይ ስለ ዘለኹም ብዛዕባ ዂልኻትኩም ክሓስብ ግቡእ እዩ። ተኣሲረ እንተለኹ ኾነ ንወንጌል ክምሥርታን ክማጐተላን እንተለኹ ንስኻትኩም ኲልኹም ኣብዚ ጸጋ እዙይ መኻፍልተይ ኢኹም።
[8] ብፍቕሪ ክርስቶስ ኢየሱስ ንዂልኻትኩም ከመይ ገይረ ኸም ዝናፍቐኩም እግዚኣብሔር ምስክረይ እዩ።
[9] ፍቕርኹም ብዂሉ ፍልጠትን ምስትውዓልን ብዝበለጸ እናበዝኀ ምእንቲ ክኸይድ እጽሊ ኣለኹ።
[10] እዙይውን ነቲ ዝበለጸ መርሚርኩም ክትፈልጡ በታ ክርስቶስ ተመሊሱ ዝመጸላ መዓልቲ ንጹሓትን ነቐፋ ዘይብልኩምን ኮይንኹም ምእንቲ ኽትርከቡ
[11] ንኽብሪ እግዚኣብሔርን ንውዳሴኡን ከዓ በቲ ኻብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመጽእ ፍረ ጽድቂ ምእንቲ ኽትምልኡ እጽሊ ኣለኹ።
[12] ኣቱም ኣኅዋተይ! እቲ ዝበጽሐኒ ነገር ኲሉ ንምስፋሕ ወንጌል የመና ከም ዝጠቅም ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።
[13] ስለዙይውን ምእንቲ ክርስቶስ ተኣሲረ ኸም ዘለኹ በቶም ቤተ መንግሥት ዝሕልዉ ወታደራትን በቶም ኲሎም ካልኦትን ተፈሊጡ ኣሎ።
[14] ዝበዝኁ ኻብቶም ኣኅዋት ድማ ብምኽንያት ምእሳረይ ኣብ ጐይታ ጸንዑ ፤ ብዘይ ፍርኃት ቃል እግዚኣብሔር ንምንጋርውን ዝበለጸ ትብዓት ረኸቡ።
[15] ገሊኦም ብቕንእን ብቕጽጽን ገሊኦም ግና ብሓቀኛ ፍቕሪ ብዛዕባ ክርስቶስ ይሰብኩ ኣለዉ።
[16] እዞም ዳኅረዎት ንወንጌል ስለ ዝተማጐትኩላ ኸም ዝተኣሰርኩ ፈሊጦም ብፍቕሪ ይሰብኩ ኣለዉ።
[17] እቶም ቐዳሞት ግና ኣብ ርእሲ ምእሳረይ ተወሳኺ መከራ ኸምጽኡለይ ደልዮም ብቕንዕና ዘይኮነስ ብሻራ ብዛዕባ ክርስቶስ ይሰብኩ ኣለዉ።
[18] ይኹን ደኣ እምበር እንተስ ብተንኰል እንተስ ብቕንዕና ብዝኾነ መንገዲ ክርስቶስ ይስበኽ ኣሎ፤ በዙይ ድማ እሕጐስ ኣለኹ።
[19] ገናውን ክሕጐስ እየ፤ እዝ ተግባር እዙይ ብጸሎትኩምን ብረድኤት መንፈስ ኢየሱስ ክርስቶስን ንድኅነተይ ከም ዝኸውን እፈልጥ እየሞ
[20] ሥራሐይ ንምፍጻም ከምዘይኃፍር በዓል ምሉእ ሃረርታን ተስፋን እየ። ከምቲ ዂልሻዕ ሕዝውን እንተ ኾነ እንተስ ብሕይወት እንተስ ብሞት ንክርስቶስ ብሥጋይ ከኽብሮ እየ።
[21] ንኣይ ሕይወት ማለት ክርስቶስ እዩ፤ ሙማት ድማ ረብኃይ እዩሞ።
[22] ብሕይወት እንተ ደኣ ኽነብር ኮይነ ገና ፍረ ዘለዎ ሥራሕ ኣለኒ ማለት እዩ። ነየናይ ከም ዝመርጽ ግና ኣይፈልጥን እየ።
[23] በዘን ክልተ ነገራት እዚኣተን እጭነቕ ኣለኹ፤ ብዝበለጸ ዝሕሸኒ ስለ ዝኾነ ግና ካብዙይ ተፈልየ ምስ ክርስቶስ ክኸውን ሃረርታይ እዩ።
[24] እንተኾነ ግና ብሕይወት ምጽንሐይ ንኣኻትኩም ኣድላዪ እዩ።
[25] በዙይ ብምትእምማን ብእምነት ክትዓብዩን ክትሕጐሱን ብሕይወት ጸኒሐ ምሳኻትኩም ከምዝኸውን ተረዲአ ኣለኹ።
[26] መሊሰ ናባኻትኩም ምስ መጻእኹ ብኣይ ምኽንያት ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኩም ሓጐስ ክበዝኀልኩም እዩ።
[27] ዝኾነ እንተ ኾነ ክርእየኩም እንተ መጻእኹ ወይ ኣብ ርኁቅ እንተለኹ ብሓደ መንፈስ ጸኒዕኹም ምእንቲ እምነት ወንጌል ብሓደ ልቢ ትጋደሉ ምህላውኩም ምእንቲ ኽሰምዕ ኣካይዳኹም ንወንጌል ክርስቶስ ዝበቅዕ ይኹን።
[28] በቶም ዝቃወሙኹም ኣይትደንግፁ፤ እዙይ እቲ ኻብ እግዚኣብሔር ዝኾነ ንኣኣቶም ናይ ጥፍኣት ንኣኻትኩም ግና ናይ ድኅነት ርኡይ ምልክት እዩሞ።
[29] እቲ ተውሂቡኩም ዘሎ ጸጋ ኸዓ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ምእንትኡውን መከራ ኽትቅበሉ እዩ።
[30] ስለዙይ ናይቲ ኣባይ ዝርአኹምዎ ሕዚውን እትሰምዕዎ ዘለኹም ገድሊ ተኻፈልቲ ኢኹም።