Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:40

[1] ስም እግዚኣብሔርን እቲ እንሰብኮ ትምህርትን ምእንቲ ኸይንቀፍ እቶም ኣብ ትሕቲ ኣርዑ ት ባርነት ዘለዉ ዂሎም ነቶም ጐይተቶም ምሉእ ኽብሪ ከም ዝግብኦም ይቝጸርዎም።

[2] እቶም ኣመንቲ ጐይቶት ዘለውዎም ድማ ብክርስቶስ ኣኅዋቶም ብምዃኖም ኣይንዓቕዎም። እኳ ደኣ እቶም በቲ ጽቡቕ ኣገልግሎቶም ዝጥቀሙ ዘለዉ ኣመንትን ፍቑራትን ብምዃኖም ኣብሊጾም የገልግልዎም። ነዝ ነገርዙይ መሃርን ስበኽን።

[3] ሓደ ሰብ ምስቲ ሓቀኛ ዝኾነ ቓል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ምስቲ ንእግዚኣብሔር ንምምሳል ዘይሰማማዕ ግጉይ ትምህርቲ እንተ መሃረ

[4] ንሱ ብትዕቢት ዝተነፍሐ ሓንቲ ዘይፈልጥ ሰብ እዩ። ንሱ ናይ ክትዕን ጐይቊን ጽምኢ ዘለዎ ሕሙም ሰብ እዩ። ካብዙይ ከዓ ቕንኢ ባእሲ ክፉእ ሓሳብ ጸርፊ ይመጽእ።

[5] ኣብቶም እቲ ሓቂ ዘይብሎም ኣእምሮኦም ዝረኸሰ ሰባት ከዓ ዘየቋርጽ ጐይቊ ይፈጥር፤ እዚኣቶም መንፈሳዊነት ናይ ምድራዊ ረብኃ መርከቢ እዩ ዝመስሎም።

[6] ዘለኒ የኣኽለኒ ንዝብል ግና ንእግዚኣብሔር ምምላኽ ብዙኅ ረብኃ ኣለዎ።

[7] ናብዝ ዓለም እዙይ ዘምጻእናዮ የብልናን፤ ካብዝ ዓለም እዙይውን ክንወስዶ እንኽእል ከቶ የለን እሞ።

[8] ቀለብን ክዳንን እንተ ረኺብና የኣኽለና እዩ።

[9] ክህብትሙ ዝደልዩ ግና ናብ ፈተናን መፈንጠርን ንሰብ ብዘበላሹን ብዘጥፍእን ከንቱን ጐዳእን ብዝኾነ ትምኒት ይወድቁ።

[10] ፍቕሪ ገንዘብ ናይ ኲሉ ኽፍኣት ሡር እዩሞ፤ ገሊኦም ብሰንኪ ህርፋን ገንዘብ ካብ መንገዲ እቲ እምነት ወፂኦም ንባዕላቶም ብዙኅ ሥቓይ ኣምጽኡ።

[11] ንስኻ ግና ኣታ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ካብዙይ ኲሉ ህደም። ደድኅሪ ጽድቅን መንፈሳውነትን እምነትን ፍቕርን ትዕግሥትን ንእግዚኣብሔር ምምላኽውን ሰዓብ።

[12] ሠናይ ናይ እምነት ገድሊ ተጋደል፤ ነታ ዝተጸዋዕኻላ ኣብ ቅድሚ ብዙኃት ምስክርውን ጽቡቕ ምእማን ንዝተኣመንካላ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኃዝ።

[13] -

[14] ነቲ ትእዛዝ ብንጽሕናን ብዘይ ነቐፋን ክሳዕ ምግላጽ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትሕልዎ ኣብ ቅድሚ እቲ ንዂሉ ሕይወት ዝህብ እግዚኣብሔርን ኣብ ቅድሚ እቲ ጴንጤናዊ ጲላጦስ ነታ ሓቀኛ እምነት ዝመስከረ ኢየሱስ ክርስቶስን እእዝዘካ ኣለኹ።

[15] ነዙይ ጊዜኡ ምስ በጽሐ እግዚኣብሔር ክገልጾ እዩ፤ ንሱ ብፁዕ በይኑ ንዂሉ ዝገዝእ ንጉሥ ነገሥታት ጐይታ ጐይቶት

[16] ንሱ በይኑ ዘይመውት ሓደ ሰብ እኳ ከቶ ዘይረኣዮ ክሪኦውን ዘይኽእል ኣብ ዘይቕረብ ብርሃን ዝነብር እዩ፤ ንእኡ ንዘለዓለም ክብርን ሥልጣንን ይኹኖ። ኣሜን።

[17] ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዂሉ ብልግሲ ዝህበና እግዚኣብሔር እምበር በዝ ኃላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ ኣዝዞም።

[18] ገበርቲ ሠናይ ክኾኑ ብሠናይ ግብሪ ኽህብትሙ ለጋሳትን ንምክፋል ድልዋት ክኾኑ ኣዝዞም።

[19] በዝ መንገዲ እዙይ ናይ ሓቂ ሕይወት ምእንቲ ኽረኽቡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ጽኑዕ መሠረት ምእንቲ ክኾኖም ንርእሶም ሃብቲ ኽእክቡ እዮም።

[20] ኦ ጢሞቴዎስ! ነቲ ብኅድሪ ዝተውሃበካ ሓልዎ። ካብቲ ብጌጋ ፍልጠት ተብሂሉ ዝጽዋዕ ዓለማዊ ኸንቱ ልፍለፋን ዝጋጮ ሓሳባትን ረኃቕ።

[21] ገሊኣቶም ነዙይ ብምእማን ካብ መንገዲ እቲ እምነት ዝወፁ ኣለዉሞ። ጸጋ ምሳኻ ይኹን። ኣሜን።

1 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ — Chapters