Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:05

[1] ብክርስቶስ ኢየሱስ ንዝርከብ ናይ ሕይወት ተስፋ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ሓዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ ጳውሎስ

[2] ናብ ዝፈትዎ ወደይ ጢሞቴዎስ ካብ እግዚኣብሔር ኣብን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋ ምሕረት ሰላም ንኣኻ ይኹን።

[3] ለይትን መዓልትን እንተየቋረጽኩ ኣብ ጸሎተይ ክዝክረካ እንተለኹ ነቲ ኸምቲ ናይ ኣቦታተይ ገይረ ብንጹሕ ሕሊና ዘገልግሎ እግዚኣብሔር አመስግኖ ኣለኹ።

[4] ንብዓትካ እዝክር እየ፤ ብታሕጓስ ምእንቲ ኽምላእ ኸዓ ኽርእየካ እናፍቕ ኣለኹ።

[5] ነታ ኣባኻ ዘላ ጥርጥር ዘይብላ እምነት እዝክራ እየ። እዛ እምነት እዚኣ ቕድም ኣብ እናሓጐኻ ሎይድ ከምኡውን ኣብ እኖኻ ኤውንቄ ነበረት። ሕዚ ኸዓ ኣባኻ ከም ዘላ ተኣማሚነ ኣለኹ።

[6] ስለዙይ ነቲ ብምንባር ኢደይ ዝተቐበልካዮ ኣባኻ ዘሎ ውህብቶ እግዚኣብሔር ክተለዓዕሎ አዘክረካ ኣለኹ።

[7] እግዚኣብሔር ዝሃበና መንፈስ ኃይልን ፍቕርን ርእስኻ ምቊጽጻርን እምበር መንፈስ ፍርኃት ኣይሃበናንሞ።

[8] እምበኣር ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምምስካርን ብኣይ ናይ ክርስቶስ እሱርን ኣይትኅፈር፤ እኳ ደኣ በቲ እግዚኣብሔር ዝህበካ ኃይሊ ምእንቲ ወንጌል ምሳይ መከራ ተቐበል እምበር።

[9] ንሱ ብግብርና ዘይኮነስ ብፍቓዱን በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ዘመናት ዝተውሃበና ጸጋን ኣድኃነና፤ ብቕዱስ ጽውዓውን ጸውዐና።

[10] እዝ ጸጋ እዙይ ብምምጻእ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገልጸ። ንሱ ንሞት ስዒሩ ንሕይወትን ንዘይሙማትን ብወንጌል ናብ ብርሃን ኣውፅኦ።

[11] ኣነውን ናይዝ ወንጌል እዙይ ኣብሣሪ ሓዋርያን ንኣሕዛብውን መምህር ክኸውን ተሸምኩ።

[12] በዝ ምኽንያትዙይ ከዓ እየ መከራ ዝቕበል ዘለኹ፤ ግና ንመን ከም ዝኣመንኩ ስለ ዝፈልጥ ኣይኃፍርን እየ። ንሱ ኸዓ ነቲ ዝሃብክዎ ኅድሪ ክሳዕ እታ መዓልቲ ጐይታ ክሕልወለይ ከም ዝኽእል ርግጸኛ እየ።

[13] ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኻዮ ቕኑዕ ትምህርቲ ከም ኣብነት ገይርኻ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ እምነትን ፍቕርን ሓልዎ።

[14] ነቲ ብኅድሪ ዝተውሃበካ ሓቂ በቲ ኣባና ኃዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሓልዎ።

[15] እቶም ኣብ እስያ ዘለዉ ዂላቶም ከም ዝጠለሙኒ ትፈልጥ ኢኻ። ኣብ መንጎኦም እኳ ፊጌሎስን ኤርሞጌኔስን ዝብሃሉ ኣለውዎም።

[16] እግዚኣብሔር ንቤተ ሰብ ሄኔሴፎሩ ምሕረት የሃቦም፤ ንሱ ብምእሳረይ እንተይኃፈረ ብዙኅ ጊዜ ኣጸናኒዑ ኒ እዩሞ።

[17] ኣብ ሮም ምስ መጸውን ክሳዕ ዝረኽበኒ ብዙኅ ደኺሙ እዩ።

[18] በታ መወዳእታ መዓልቲ ጐይታ እግዚኣብሔር ምሕረት የሃቦ። ኣብ ኤፌሶን ክንደይ ከም ዘገልገለኒውን ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።

2 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ — Chapters