[1] ብትእዛዝ መድኃኒትና እግዚኣብሔርን ብተስፋና ኢየሱስ ክርስቶስን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓዋርያ ካብ ዝኾነ ጳውሎስ
[2] ናብቲ ብእምነት ናይ ሓቂ ወደይ ዝኾነ ጢሞቴዎስ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ንኣኻ ይኹን።
[3] ከምቲ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ እንተለኹ ኃደራ ዝበልኩኻ ኣብ ኤፌሶን ጽናሕ እሞ ገሊኦም ናይ ሓሰት ትምህርቲ ኸይምህሩ ኣዝዝ።
[4] ከምኡውን ናብ ኣፈ ታሪካትን መወዳእታ ናብ ዘይብሉ ናብ ምቝጻር ትውልድታትን ከየዘምብሉ መዓድ። እዝ ነገራት እዙይ ክትዕ እምበር ኣብቲ ብእምነት ዝግበር ናይ እግዚኣብሔር ሥራሕ ዝጠቅም የብሉን።
[5] ናይዝ ትእዛዝ እዙይ ዕላማ ግና እታ ኻብ ንጹሕ ልቢ ካብ ጽርይቲ ሕሊና ካብ ሓቀኛ እምነት እትርከብ ፍቕሪ እያ።
[6] ገሊኦም ሰባት ካብዙይ ወፂኦም ናብ ከንቱ ኽርክር ተመሊሶም ኣለዉ።
[7] ነቲ ዝብልዎ ወይ ነቲ ብምትእምማን ዝዛረብዎ እኳ ዘይፈልጥዎ እንተለዉስ መምህራን ሕጊ ክኾኑ ይደልዩ።
[8] ሰብ ንሕጊ ብዝግባእ መንገዲ እንተ ደኣ ፈጺምዎ ሠናይ ከም ዝኾነ ንፈልጥ ኢና።
[9] ሕጊ ኸዓ ንጻድቃን ከም ዘይተሠርዐ ንፈልጥ ኢና፤ ሕጊ ዝተሠርዐ፦ ንጠሓስቲ ሕጊ ንዓመፀኛታት ንጕሒላታት ነቶም ቅድስና ዘይብሎም ንኃጥኣን ንርኹሳት ነቶም መንፈሳዊ ነገራት ዝንዕቑ ነቶም ኣቦኦምን እኖኦምን ዝቐትሉ ንቐተልቲ ነፍሲ
[10] ንዘመውቲ ግብሪ ሰዶም ንዝገብሩ ነቶም ሰብ ዝሸጡ ነጋዶ ንሓሰውቲ ነቶም ብሓሰት ዝምሕሉ ነቶም ንቕኑዕ ትምህርቲ ዝጻረር ዝገብሩ ዂሎም እዩ።
[11] እዝ ትምህርቲ እዙይ ናይቲ ኣነ ኸብሥሮ ኅድሪ ዝተውሃበኒ ኣብቲ ናይቲ ቡሩኽ እግዚኣብሔር ዝኾነ ኽቡር ወንጌል እዩ ዝርከብ።
[12] ነቲ ኸገልግሎ ኃይሊ ዝሃበኒ ከም እሙን ቈጺሩ ኸዓ ናብዝ ኣገልግሎት እዙይ ዝኃረየኒ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አመስግኖ ኣለኹ።
[13] ቀደም ስም ጐይታ ዝጸርፍን ዘሳድድን ዝገፍዕን እንተ ነበርኩ እኳ ሰኣን ፍልጠትን ሰኣን ምእማንን ነእዙይ ስለ ዝገበርክዎ ምሕረት ረኸብኩ።
[14] ኣብ ርእሲ እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝረኸብናዮ እምነትን ፍቕርን ጸጋ ጐይታና ኣባይ ብዘይ ልክዕ በዝኀ።
[15] ኢየሱስ ክርስቶስ ንኃጥኣን ከድኅን መጸ ዝብል ቃል እሙንን ኲሉ ሰብ ክቕበሎ ዝግባእን እዩ። ኣነ ኸዓ ካብ ኲሉ ዝገደድኩ ኃጢኣተኛ እየ።
[16] በዝ ምኽንያት እዙይ ድማ እየ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ፤ ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ወሰን ዘይብሉ ትዕግሥቱ ቅድም ኣባይ ካብ ኲሉ ዝገደድኩ ኃጢኣተኛ ንዝኾንኩ ብምግላጽ ነቶም ናይ ዘለዓለም ሕይወት ክረኽቡ ኢሎም ብእኡ ዝኣምኑ መርኣያ ገበረኒ።
[17] ነቲ ናይ ዘለዓለም ንጉሥ ዘይመውት ዘይርአ በይኑ ኣምላኽ ዝኾነ ንዘለዓለመ ዓለም ክብርን ምስጋናን ይኹኖ! ኣሜን።
[18] ጢሞቴዎስ ወደይ! ኣብቲ ዝተነግረልካ ናይ ትንቢት ቃላት ተመሥሪተ እዝ ትእዛዝ እዙይ ኃደራ እህበካ ኣለኹ። ነቲ ዝተነግረካ ቓል ኣጽኒዕኻ ኃዞ፤ ተቢዕኻውን ሠናይ ገድሊ ተጋደል።
[19] እምነትን ንጹሕ ሕሊናን ኃዝ። ገሊኣቶም ሰባት ንሕሊናኦም ብዘይምእዛዝ ንእምነቶም ከምታ ብማዕበል እትጠፍእ መርከብ ንእምነቶም ኣጥፊኦምዋ እዮም።
[20] ኣብ መንጎኦም እኳ ንእግዚኣብሔር ምጽራፍ ከም ዘይግባእ ምእንቲ ኽመሃሩ ኢለ ንሰይጣን ኣኅሊፈ ዝሃብኩዎም ሄሜኔዎስን እስክንድሮስን ዝበሃሉ ሰባት ኣለውዎም።