[1] በቲ ዳሕረዋይ ዘመን ግና ገሊኣቶም እምነቶም ክሒዶም ንመታለልቲ መናፍስትን ንትምህርቲ ኣጋንንትን ከም ዝስዕቡ መንፈስ ቅዱስ ብገሃድ ይነግር ኣሎ።
[2] እዝ ዓይነት ትምህርትዙይ ድማ ካብቶም ብመተኰስ ከም ዝሓረረ ሕሊናኦም ዝደንዘዘ ግብዛት ሓሰውቲ ሰባት እዩ ዝመጽእ።
[3] ንሳቶም መውስቦ ይኽልክሉ፤ እቶም ኣመንትን ሓቂ ዝፈለጡን ብምስጋና ኽቕበልዎ ኢሉ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ብልዒውን ሰብ ክሓርሞ ይእዝዙ።
[4] -
[5] እቲ ፍጥረት እግዚኣብሔር ኲሉ ጽቡቕ እዩ፤ ብምስጋና ንዝቕበሎ ኸዓ በቲ ቓል እግዚኣብሔርን ጸሎትን ዝቕደስ ስለ ዝኾነ ሓደኳ ዝድርበ የብሉን።
[6] እዝ ትምህርቲ እዙይ ነቶም ኣኅዋት እንተገለጽካሎም ቃል እምነትን እቲ ተኣሚንካ ዝሰዓብካዮ ጽቡቕ ትምህርትን ዝተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ክትከውን ኢኻ።
[7] ካብቲ ንእግዚኣብሔር ዘየኽብር ተረትን ቅለትን ረኃቕ። ንርእስኻ ጽድቂ ኣለማምድ።
[8] ልምምድ ምንቅስቓስ ኣካል ንቑሩብ ነገር እዩ ዝጠቅም፤ ምልምማድ ጽድቂ ግና ነዛ ሕዚ ዘላ ሕይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ተስፋ ስለ ዘለዎ ንዂሉ እዩ ዝጠቅም።
[9] እዙይ ኲሉ ሰብ ክቕበሎ ዝግባእ እሙን ቃል እዩ።
[10] በቲ ንዂሉ ሰብ ብኅልፊ እኳ ንኣመንቲ ዘድኅን ሕያው እግዚኣብሔር ተስፋ ስለ ዝገበርና ንፅዕርን ንጋደልን ኣለና።
[11] ነዝ ነገራት እዙይ ኣዝዝን መሃርን።
[12] ንንእስነትካ ሓደኳ ኣይንዓቃ። ግና ነቶም ኣመንቲ ብቓል በካይዳ ብፍቕሪ ብእምነት ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም።
[13] ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ ቕዱሳት መጻሕፍቲ ንሕዝቢ ብምንባብን ብምስባኽን ብምምሃርን ትጋህ።
[14] ነቲ ብቓል ትንቢትን ብምንባር ኢድ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ዝተውሃበካ ውህብቶ ሸለል ኣይትበሎ።
[15] እናዓበኻ ትኸይድ ከም ዘለኻ ዂሎም ምእንቲ ኽሪኡ በዞም ነገራት እዚኣቶም ኣጸቢቕካ ትጋህ፤ ንኽትፍጽሞም ከዓ ኲለንትናካ ወፊ።
[16] ንርእስኻን ነቲ እትህቦ ትምህርትን ተጠንቀቕ፤ ኣብኡውን ጸኒዕኻ ንበር፤ እዙይ እንተ ገይርካ ንርእስኻን ነቶም ዝሰምዑ ኻን ክተድኅን ኢኻ።