Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:48

[1] -

[2] ንሽማግለ አይተቃልል፤ እኳ ደኣ ንእኡ ኸም ኣቦ ንኣጓብዝ ከም ኣኅዋት ንዓበይቲ ኣንስቲ ኸም እኖታት ንኣናእሽቲ ኸም ኣኃት ቈጺርካ መዓዶም።

[3] ነተን ብርግጽ መበለታት ዝኾና ኣኽብረን።

[4] ዝኾነት መበለት ግና ደቂ ወይ ደቂ ደቂ እንተልዮምዋ ንሳቶም ኣቐዲሞም ንስድራኦም ብምክንኻን መንፈሳዊ ግቡኦም ምፍጻም ይመሃሩ፤ በዙይ ከዓ ንወለዶም ሞሳ ኽመልሱ እዮም። እዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቅቡል እዩሞ።

[5] እታ ብርግጽ መበለት ግና ተስፋኣ ኣብ እግዚኣብሔር ገይራ ምእንቲ ኽረድኣ ለይትን መዓልትን ብምህለላን ጸሎትን እያ እትጸንዕ።

[6] እታ ደስታ ናይዝ ዓለም እዙይ ጥራሕ እትደሊ መበለት ግና ብሕይወታ እንተላ ዝሞተት እያ።

[7] ብዘይ ነቐፋ ምእንቲ ክኾኑስ እዝ ትእዛዝ እዙይ ኣዝዞም።

[8] ሓደኳ ነቶም ኣዝማዱ ብኅልፊ እኳ ንስድራኡ ዘየሓሊ እንተልዩ ንሱ እምነቱ ዝኸሓደ ኻብቲ ዘየኣምንውን ዝገደደ እዩ።

[9] -

[10] ካብ ስሳ ዓመት ንላዕሊ ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ዝነበረት ብሠናይ ግብሪ ዝተመስከረላ ደቃ ብዝግባእ ዘዕበየት ጋሻ ብምቕባል እግሪ ኣመንቲ ብምሕጻብ ንዝጸገሞ ብምሕጋዝ ንሠናይ ግብሪ ዂሉ ድማ ርእሳ ዝወፈየት መበለት ምስተን መበለታት ትቈጸር።

[11] ብዕድመ ንኡሳት ዝኾና መበለታት ግና ፍትወት ሥጋ ምስ ተልዓለን ካብ ክርስቶስ ርሒቐን ክምርዐዋ እየን ዝደልያ እሞ ምስተን መበለታት ኣይትመድበን።

[12] እዚኣተን ነታ ቐዳመይቲ መብፅዐአን ስለ ዝጠለማ ፍርዲ ኣብ ርእሰን የምጽኣ እየን።

[13] ኣብ ልዕሊ እዙይውን ገዛ ንገዛ እናዞራ ምብኳር ሥራሕ እየን ዝመሃራ ምብኳር ሥራሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ክዛረባኦ ዘይግባእ እናተዛረባ ሓመይትን መውረይትን ኣብ ዘየእትወን ዝኣትዋ እየን ዝኾና።

[14] እምበኣር ጸላኢ ኽፉእ ዝዛረቦ ምእንቲ ኸይረክብ እተን ብዕድመ ንዑ ሳት ዝኾና መበለታት ክምርዐዋ ውሉድ ክወልዳ ስድራአን ብግቡእ ከመኃድራ እምዕድ ኣለኹ።

[15] ገሊኣተን እኳ ንሰይጣን ክስዕባ ዝተመለሳ ኣለዋ።

[16] ሓንቲ ኣማኒት ዝኾነት ሰበይቲ ኣብ ገዝኣ መበለታት እንተልየንኣ ነታ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኸይኸብድኣ ባዕላ ትሕለየለን። እታ ቤተ ክርስቲያን ከዓ ነተን ሓገዝ ዘድልየን ናይ ብርግጽ መበለታት ክትሕግዘን ክትክእል እያ።

[17] ነቶም ብዝግባእ ዘገልግሉ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ብኅልፊ እኳ ነቶም ወንጌል ዝሰብኩን ዝምህሩን ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ።

[18] እቲ ቕዱስ መጽሓፍ ኣፍ እቲ ዘኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር ከምኡውን ንሠራሕተኛ ዓስቡ ይግብኦ እዩ ይብል እዩሞ።

[19] ክልተ ወይ ሠለስተ ሰባት እንተዘይመስኪሮም ኣብ ልዕሊ መራሕ ቤተ ክርስቲያን ክሲ ኣይትቀበል።

[20] ነቶም ኃጢኣት ዝገብሩ ግና እቶም ካልኦት ምእንቲ ኽፈርኁ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ገሥጾም።

[21] ብዘይ ኣፈላላይን ብዘይ ኣድልዎን ነዝ ምዕዶዙይ ክትሕሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ክርስቶስን ኣብ ቅድሚ እቶም ኅሩያት መላእኽትን ኃደራ እብለካ ኣለኹ።

[22] ኣብ ሓደኳ ኢድካ ኣንቢርካ ንምሻም ኣይትተሃወኽ፤ ኣብ ኃጢኣት ካልኦት ኣይትሳተፍ፤ ንርእስኻ ብንጽሕና ሓሉ።

[23] ስለ ኸብድኻን ስለቲ ዝመላለሰካ ሕማምን ቁሩብ ወይኒ ስተ እምበር ማይ ጥራሕ ኣይትስተ።

[24] ኃጢኣት ገሊኦም ሰባት ግሁድ እዩ፤ ነቲ ፍርዲውን የርኢ፤ ናይ ገሊኦም ግና ደኃር እዩ ዝግለጽ።

[25] ከምኡ ኸዓ እቲ ሠናይ ግብሪ ግሉጽ እዩ፤ እቲ ግሉጽ ዘይኮነ ግና ተሠዊሩ ኽተርፍ ኣይኽእልን እዩ።

1 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ — Chapters