[1] እምበኣር ቅድሚ ዂሉ ምህልላ ጸሎት ምምላድ ምስጋና ምእንቲ ዂሉ ሰብ ክግበር እምዕድ ኣለኹ፤
[2] ብመንፈሳዊነትን ብኽብርን ህዱእን ሰላማዊን ዝኾነ ሕይወትን ክንነብር ምእንቲ ዂሎም ነገሥታትን ሰብ ሥልጣንውን ጸልዩ።
[3] እዙይ ኣብ ቅድሚ እቲ መድኃኒና ዝኾነ እግዚኣብሔር ሠናይን ዘሕጕስን እዩ።
[4] ንሱ ዂሉ ሰብ ክድኅንን ናብ ፍልጠት ሓቂ ኽመጽእን ይፈቱ እዩ እሞ።
[5] እግዚኣብሔር ሓደ እዩ፤ እቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ሰብን ዘሎ መተዓረቒ ድማ ሓደ እዩ፤ ንሱ ኸዓ እቲ ሰብ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
[6] ንሱ ኽንዲ ዂሉ ሰብ ቤዛ ገይሩ ርእሱ ኣኅሊፉ ሃበ፤ እዙይ ከዓ ጊዜኡ ምስ በጽሐ እግዚኣብሔር ኲሉ ኽድኅን ከም ዝደሊ ምስክር እዩ።
[7] ኣነውን ነዙይ እየ ነሕዛብ ሓቅን እምነትን ምእንቲ ኽምህር ሰባኽን ሓዋርያን ኮይነ ዝተሸምኩ፤ ሓቂ እየ ዝዛረብ እምበር ኣይሕሱን እየ።
[8] ኲሎም ሰብኡት ካብ ኲራን ባእስን ርኂቖም ኣብ ኲሉ ሥፍራ ቅዱሳት ኣእዳዎም ኣልዒሎም ክጽልዩ እደሊ ኣለኹ።
[9] ኣንስቲውን ርእሰን ብምቝናን ወይ ብወርቂ ወይ ብዕንቊ ወይ ብኽቡር ዝዋግኡ ኽዳውንቲ ብምግያጽ ዘይኮነስ ግቡእን ትሕትና ዘርእን ክዳን ይከደና።
[10] ከምቲ ነተን መንፈሳውያት ኣንስቲ ዝግባእ ብሠናይ ግብሪ ኽሽለማ እደሊ ኣለኹ።
[11] ሰበይትስ እዝዝቲ ብምዃን ብህድኣት ድኣ ትመሃር።
[12] ሰበይቲ ኽትምህር ወይ ኣብ ልዕሊ ሰብኣይ ሥልጣን ክህልዋ ኣይፈቅድን እየ። ንሳስ ስቕ ደኣ ትበል።
[13] ቅድም ዝተፈጠረ ኣዳም እዩ፤ ደኃር ከዓ ሔዋን እያሞ።
[14] ከምኡ ኸዓ ሰበይቲ እያ ተታሊላ ትእዛዝ ዝጠሓሰት እምበር ኣዳም ኣይተታለለን።
[15] ሰበይቲ ግና ብእምነትን ብፍቕርን ብቕድስናን ብትሕትናን ጸኒዓ እንተ ነበረት ውሉድ ብምውላድ ክትድኅን እያ።