[1] መራሕ ቤተ ክርስቲያን ክኸውን ዝደሊ ሠናይ ነገር ይምነ ዝብል ቃል ሓቂ እዩ።
[2] እምበኣር መራሕ ቤተ ክርስቲያን ክሽየም ዝግባእ ነቐፋ ዘይብሉ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ ብመጠን ዝነብር ርእሱ ኽቈጻጸር ዝኽእል ገጽ ሰብ ሪኡ ዘየዳሉ ተቐባል ጋሻ ብቑዕ መምህር ክኸውን ይግባእ።
[3] ዘይሰክር ዘይዊዕ ሕያዋይ ዘይበኣስ ፈታው ገንዘብ ዘይኮነ
[4] ቤተሰቡ ብጽቡቕ ዘመኃድርን ብቕንዕና ዝእዘዙ ውሉድ ዘለውዎን ይኹን።
[5] ስድራኡ ብሥነ ሥርዓት ከመኃድር እንተዘይክኢሉ ነታ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሔር ደኣ ኸመይ ገይሩ ኸመኃድራ ይኽእል?
[6] ብትዕቢት ተነፊሑ ኸም ዲያብሎስ ኣብ ፍርዲ ምእንቲ ኸይወድቕ ሓድሽ ኣማኒ ኣይኹን።
[7] ኣብ ውርደትን ኣብ መፃወድያ ዲያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ በቶም ዘየኣምኑ ጽቡቕ ምስክርነት ዘለዎ ይኹን።
[8] ዲያቆናትውን ከምኡ መስተውዐልቲ ቃሎም ዘይለዋውጡ መስተ ዘየብዝኁ ህርፋን ገንዘብ ዘይብሎም
[9] ነቲ ናይ እምነት ምሥጢር ብንጹሕ ሕሊና ዝሕልዉ ክኾኑ ይግባእ።
[10] ንሳቶምውን ቅድም ይመርመሩ፤ ነቐፋ ዘይብሎም ኮይኖም እንተ ተረኺቦም ድማ ብዲቁና የገልግሉ።
[11] ኣንስቲውን ከምኡ መስተውዐልቲ ዘይሓምያ ብመጠን ዝነብራ ብዂሉውን እሙናት ክኾና ይግባእ።
[12] ዲያቆናት ነፍስ ወከፎም ሰብ ሓንቲ ሰበይቲ ደቆምን ስድራኦምን ብጽቡቕ ዘመኃድሩ ይኹኑ።
[13] ብጽቡቕ ዘገልግሉ ዓብዪ መዓርግ ይረኽቡ፤ ብዛዕባ እምነት ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ብትብዓት ክዛረቡ ይኽእሉ እዮም።
[14] ናባኻ ቐልጢፈ ኸም ዝመጽእ ተስፋ እናገበርኩ ነዝ መልእኽትዙይ እጽሕፈልካ ኣለኹ።
[15] እንተ ደንጐኹ ግና ኣብታ ቤት እግዚኣብሔር ማለት ኣብታ ናይ ሓቂ ዓምድን መሠረትን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ሕያው እግዚኣብሔር ሰባት ከመይ ገይሮም ክነብሩ ኸም ዝግብኦም ክትፈልጥ ጽሒፈልካ ኣለኹ።
[16] እወ እቲ ብሥጋ ሰብ ተገልጸ፤ ብመንፈስ ጸደቐ፤ ብመላእኽቲ ተርአየ፤ ኣብ መንጎ ኣሕዛብ ተሰብከ፤ ኣብ ዓለም ተኣምነ፤ ብኽብሪ ዓረገ ዝብል ናይ እምነትና ምሥጢር ብርግጽ ዓብዪ እዩ።