Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 2:30

[1] ብዝተረፈ ኣኅዋትና! ቃል እግዚኣብሔር ከምቲ ኣብ ማእኸልኩም ኮይንዎ ዘሎ ምእንቲ ኽሰፍሕን ክኸብርን

[2] ኲሉ ኸዓ ኣማኒ ኣይኮነን እሞ ካብ ዓመፀኛታትን ክፉኣት ሰባትን ምእንቲ ኽንድኅን ጸልዩልና።

[3] ጐይታ ግና እሙን እዩ፤ ከጽንዐኩምን ካብ ሰይጣን ክሕልወኩምን እዩ።

[4] ነቲ እንእዝዘኩም ትፍጽምዎ ኸም ዘለኹም ገናውን ከም እትፍጽምዎ ኣባኻትኩም ብጐይታ እምነት ኣለና።

[5] ጐይታ ኸዓ ንልብኹም ናብ ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ናብ ትዕግሥቲ ክርስቶስን የቕንዓዮ።

[6] ሕዚ ኸዓ ኣቱም ኣኅዋትና! በቲ ኻባና ዝተቐበልኩምዎ ሥርዓት ምኻድ ገዲፉ ካብ ዘይሠርሕ ሃካይ ኣማኒ ዂሉ ኽትፍለዩ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንእዝዘኩም ኣለና።

[7] ምሳኻትኩም እንተለና ሃካያት ኣይነበርናን እሞ ከምቲ ንሕና እንገብሮ ኽትገብሩ ኸም ዝግብአኩም ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።

[8] ካባኻትኩም ንሓደኳ ኸይነኽብደሉ ኽንብል ለይትን መዓልትን እናሠራሕና ንፅዕርን ንደክምን ነበርና እምበር ካብ ሓደኳ ብኸምኡ እንጀራ ኣይበላዕናን።

[9] እዙይ ከዓ ኣርኣያ ኽንኮነኩምን ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉን ኢልና ኢና እምበር ግቡእና ኽንረክብ መሰል ዘይብልና ዄንና ኣይኮነን።

[10] ምሳኻትኩም እንተለና እቲ ክሠርሕ ዘይደሊ ኣይብላዕ! ዝብል ትእዛዝ ሂብናኩም ነይርና ኢናሞ።

[11] ኣባኻትኩም ሃካያት ኣብ ዘየእትዎም ዝኣትዉ ሓንቲ ሥራሕ ዘይብሎም ከም ዘለዉ ሰሚዕና ኣለና።

[12] ነዞም ከምዚኣቶም ዝመሰሉ ብህድኣት እናሠርሑ ንርእሶም ክኽእሉ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንእዝዞምን ነተባብዖምን ኣለና።

[13] ንስኻትኩም ግና ኣቱም ኣኅዋትና! ሠናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ።

[14] ነቲ በዛ መልእኽቲ እዚኣ እንብሎ ቓል ዘይእዘዝ እንተልዩ ኣለልይዎ፤ ምእንቲ ኽሓፍር ከዓ ምስኡ ኣይትኅበሩ።

[15] ግና ኸም ኃው ደኣ መዓድዎ እምበር ከም ጸላኢ ኣይትቝጸርዎ።

[16] እምበኣር ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ብዂሉ ወገን ኲልሻዕ ሰላም የሃብኩም። ጐይታ ምስ ኲልኻትኩም ይኹን።

[17] ነዝ ሰላምታ እዙይ ኣነ ጳውሎስ ብኢደይ ዝጸሓፍኩዎ እዩ። እዙይ ከዓ ኣብ ኲለን መልእኽታተይ ምልክት እዩ፤ ከምዙይ ገይረ እየ ዝጽሕፍ።

[18] ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኲልኻትኩም ይኹን።

2 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ — Chapters