መልእኽቲ ያዕቆብ 5
[1] ሕዚ ኸዓ ኣቱም ሃብታማት ንዑ ስምዑ ፤ በቲ ዝመጸኩም ዘሎ መከራ ዋይ! ዋይ! እናበልኩም ብኸዩ።
[2] ሃብትኹም ተበላሸወ፤ ክዳውንትኹምውን ብልዒ በልዖ።
[3] ወርቅኹምን ብሩርኩምን መሪቱ፤ እቲ ምምራቱ ኸዓ ኣብ ልዕሌኹም ምስክር እዩ፤ ኣብዛ ኃላፊት ዓለም እዚኣ ሃብቲ ስለ ዝኣከብኩም ድማ ንሥጋኹም ከም ሓዊ ኽበልዖ እዩ።
[4] እንሆ እቲ ንስኻትኩም ዝኸላእኽምዎም ዓስቢ እቶም ገርሁኹም ዝዓጸዱ ሠራሕተኛታት የእዊ ኣሎ። ኣውያት እቶም ዓጻዶውን ኣብ እዝኒ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት በጺሑ ኣሎ።
[5] ኣብ ምድሪ ሓንቂቕኩምን መቺዩኩምን ንመዓልቲ ማኅረዲ ስብሕቲ ኸም ዘህጥር ልብኹም ኣስቢሕኹም ኣለኹም።
[6] ነቲ ኽከላኸል ዘይኽእል ጻድቕ ሰብውን ፈረድኩምዎን ቀተልኩምዎን።
[7] እምበኣር ኣኅዋተይ! ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ተዓገሡ። ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮ፤ ነቲ ቐዳማይን ዳኅረዋይን ዝናብ ክሳዕ ዝረክብውን ከም ዝዕገሥ ርአዩ።
[8] ንስኻትኩም ከዓ ምጽኣት ጐይታ ስለ ዝቐረበ ተዓገሡ፤ ልብኹምውን ኣጽንዑ ።
[9] ኣኅዋተይ! ከይትፍረዱ ኣብ ንስንሳትኩም ኣይተጕረምርሙ። እንሆ እቲ ፈራዲ ኣብ በሪ ደው ኢሉ ኣሎ።
[10] ኣቱም ኣኅዋተይ! ብዛዕባ ምቕባል መከራን ትዕግሥትን እቶም ብስም እግዚኣብሔር ዝተናገሩ ነቢያት ኣርኣያ ይኹኑኹም።
[11] እንሆ ነቶም ክሳዕ መወዳእታ ዝተዓገሡ ብፁዓን እዮም ንብሎም። ብዛዕባ ትዕግሥቲ ኢዮብ ሰሚዕኹም ኣለኹም፤ ነቲ እግዚኣብሔር ኣብ መወዳእታ ዝገበረሉውን ርኢኹም ኣለኹም። እግዚኣብሔር ርህሩህን ምሕረት ዝመልአን እዩሞ።
[12] ኣብ ርእሲ እዙይ ኣኅዋተይ! ኣይትምሓሉ። ብምድሪ ኾነ ብሰማይ ወይ ብኻልእ ነገር ኣይትምሓሉ፤ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ እግዚኣብሔር ከይትወድቁ ድማ እቲ ቓልኩም እወ እንተኾይኑ እወ ኣይኮነን እንተኾይኑ ኣይኮነን ይኹን።
[13] ኣብ ማእኸልኩም ዝፀገሞ እንተሃልዩ ንሱ ይጸሊ፤ ዝተሓጐሰ እንተሃልዩ ናይ ምስጋና መዝሙር ይዘምር።
[14] ኣብ ማእኸልኩም ዝሓመመ እንተሃልዩ ንካህናት ቤተ ክርስቲያን ይጸውዕ፤ ንሳቶም ከዓ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይቲ እናቐብኡ ይጸልዩሉ።
[15] እታ ብእምነት ዝተገብረት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ክተሕውዮ እያ። ጐይታውን ከተሥኦ እዩ። ኃጢኣት ገይሩ እንተ ኾይኑውን ክኅደገሉ እዩ።
[16] እምበኣርከስ ምእንቲ ኽትሓውዩ ንስንሳትኩም ኃጢኣትኩም ተናዘዙ፤ ምእንቲ ንስንሳትኩምውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ኃይሊ ኣለዋ፤ ብዙኅውን ተስልጥ እያ።
[17] ኤልያስ ከማና ሰብ እዩ፤ ዝናም ከይዘንም ኣበርቲዑ ጸለየ፤ ሠለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርኅን ከዓ ኣብ ምድሪ ዝናም ኣይዘነመን።
[18] ብድኅሪኡውን ዝናም ክዘንም ጸለየ፤ ሰማይ ከዓ ዝናም ሃበ፤ ምድሪውን ፍሬኣ ሃበት።
[19] ኣቱም ኣኅዋተይ! ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ረሓቐ ሓደ ኸዓ እንተ መለሶ
[20] እቲ ንኃጥእ ካብ መንገዲ ጌጋኡ ዝመልሶ ንነፍሱ ድማ ካብ ሞት ከም ዘድኃና ብዙኅ ኃጢኣትውን ክኅደገሉ ኸም ዝገበረ ይፍለጥ።