መልእኽቲ ያዕቆብ 4
[1] እቲ ኣብ ማእኸልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ ድዩ ዝመጽእ ዘሎ? ካብቲ ኣብ ውሽጥኹም ኮይኑ ዝዋጋእ ዘሎ ፍትወት ሥጋኹምዶ ኣይኮነን?
[2] ትምነዩ ግና ኣይትረኽቡን፤ ስለዙይ ትቐትሉ፤ ክፉእ ትምነዩ፤ ሓንቲ እኳ ክትረኽቡ ስለ ዘይትኽእሉ ትበኣሱን ትዋግኡን። ንእግዚኣብሔር ስለ ዘይለመንኩም ድማ ኣይትረኽቡን።
[3] ትልምኑ ግና ኣይትቕበሉን፤ ንፍትወት ሥጋኹም ምእንቲ ኽተርውዩ ኢልኩም ብኽፉእ ሓሳባት ስለ እትልምኑ ኣይትቕበሉን።
[4] ኣቱም ዘማውያን ነዝ ዓለም እዙይ ምፍቃር ንእግዚኣብሔር ምጽላእ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ነዝ ዓለም እዙይ ዘፍቅር ጸላኢ እግዚኣብሔር ይኸውን።
[5] ወይ ከዓ እቲ እግዚኣብሔር ነቲ ኣባና ኣኅዲርዎ ዘሎ መንፈስ ንእኡ ጥራሕ ክንኸውን ብቕንኢ ሃረር ይብል ዝብል ቃል መጽሓፍዶ ኸንቱ ይመስለኩም?
[6] ቅዱስ መጽሓፍ እግዚኣብሔር ንዕቡያት ይጻረሮም፤ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም ከም ዝብል ንሱ ኣብዚኁ እዩ ጸጋ ዝህብ።
[7] እምበኣርከስ ንእግዚኣብሔር ተገዝእዎ። ንዲያብሎስ ግና ተቓወምዎ፤ ንሱ ኸዓ ኻባኻትኩም ክሃድም እዩ።
[8] ንእግዚኣብሔር ቅረብዎ፤ ንሱውን ክቐርበኩም እዩ። ኣቱም ኃጥኣን ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፤ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢውን ልብኹም ኣንጽሁ።
[9] ኅዘኑን ጕሃዩን ብኸዩን። ሰሓቕኩም ናብ ብኽያት ሓጐስኩምውን ናብ ኃዘን ይለወጥ።
[10] ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ትሕት በሉ፤ ንሱውን ልዕል ከብለኩም እዩ።
[11] ኣቱም ኣኅዋተይ! ንስንሳትኩም ኣይትነቓቐፉ። እቲ ንኃዉ ዝነቅፍ ወይ ኣብ ልዕሊ ኃዉ ዝፈርድ ንሕጊ እግዚኣብሔር እዩ ዝነቅፍ፤ ኣብ ልዕሊ ሕጊውን ይፈርድ፤ ንሕጊ ትነቅፍ እንተድኣኴንካ ፈራዲ እምበር ፈጻሚ ኣይኮንካን።
[12] እቲ ኸድኅንን ከጥፍእን ዝኽእል ሓጋግ ሕግን ፈራድን ሓደ ንሱ እዩ። ንስኻ ደኣ ኣብ ብጻይካ እትፈርድ መን ኢኻ?
[13] ንስኻትኩም ኣቱም ሎሚ ወይ ጽባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ ኽንከይድ ኢና፤ እናነገድና ምእንቲ ኽንርባኅ ከዓ ኣብኣ ዓመት ክንቅመጥ ኢና እትብሉ ስምዑ ።
[14] ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዝኸውን እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ሕይወትኩምከ እንታይ እያ? ንቝሩብ ጊዜ ተርእዩ ኸም ዝጠፍእ ግመ ኢኹም።
[15] ጐይታ እንተ ፈቒድዎ ብሕይወት እንተሃሊና ከምዙይ ወይ ከምቱይ ክንገብር ኢና እዩ ኽትብሉ ዝግበአኩም።
[16] ሕዚ ግና ትዘሃሩን ትምክሑን ኣለኹም። ከምዙይ ዝበለ ትምክሕቲ ዂሉ ኸዓ ኽፉእ እዩ።
[17] እምበኣርከስ እቲ ኽገብሮ ዝግብኦ ሠናይ ነገር ዝፈልጥ እሞ ዘይፍጽሞ ንእኡ ኃጢኣት ይኾኖ እዩ።