Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:29

[1] ኣቱም ኣኅዋተይ! በቲ ናይ ክብሪ ጐይታ ዝኾነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እትኣምኑ ስለ ዝኾንኩም ኣድልዎ ኣይትግበሩ።

[2] ኣብ መንፈሳዊ ኣኼባኹም ሓደ በዓል ወርቂ ቐለበት ጽቡቕ ኽዳን ዝተኸድነ ሰብን ሓደ ድኻ ረሳሕ ክዳን ዝተኸድነ ሰብን እንተ ኣተዉ

[3] እሞ ነቲ ጽቡቕ ኽዳን ዝተኸድነ ብምድላው ንስኻ ኣብዝ ጽቡቕ ሥፍራ ተቐመጥ እንተ በልኩምዎ ነቲ ድኻ ግና ንስኻ ኣብቱይ ደው በል፤ ወይ ኣብዙይ ኣብ ትሕቲ እግረይ ተቐመጥ እንተ በልኩምዎ

[4] ብኽፉእ ሓሳብ ተመሪሕኹም ኣብ ንስንሳትኩም ብኣድልዎ ትፈርዱዶ የለኹምን?

[5] ኣቱም ፍቑራት ኣኅዋተይ! እስኪ ስምዑ ! እግዚኣብሔር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም መንግሥቲ ምእንቲ ኽወርሱ ብእምነት ሃብታማት ክኾኑ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለምዶ ኣይኃረዮምን እዩ?

[6] ንስኻትኩም ግና ነቲ ድኻ ኣዋረድኩምዎ። እቶም ሃብታማትዶ ኣይኮኑን ዝገፍዑ ኹምን ናብ ቤት ፍርዲ ዝጐትኹምን?

[7] ንሳቶምዶ ኣይኮኑን ነቲ እትጽውዑ ሉ ኽቡር ስም ዝጸርፉ ዘለዉ?

[8] ነቲ ኣብ መጽሓፍ ዝርከብ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር ዝብል ክቡር ሕጊ እንተ ድኣ ብሓቂ ፈጺምኩምዎ ሠናይ ትገብሩ ኣለኹም።

[9] ኣድልዎ እንተ ገበርኩም ግና ኃጢኣት ትገብሩ ኣለኹም፤ እቲ ሕጊ ኸዓ ጠሓስቲ ሕጊ ኸም ዝኾንኩም ይፈርደኩም ኣሎ።

[10] ንዂሉ እቲ ሕጊ ፈጺሙ ብሓንቲ ዝብድል ግና ብዂሉ እዩ በደለኛ ዝኸውን።

[11] እቲ ኣይትዘሙ ዝበለ ኣይትቕተል ድማ በለ። ስለዙይ እንተ ዘይዘሞኻ እኳ ግና እንተቐቲልካስ ጠሓስ ሕጊ ኢኻ።

[12] እምበኣር ከምቶም ሓራ ብዘውፅእ ሕጊ ዝፍረዶም ተዛረቡን ግበሩን።

[13] እቲ ምሕረት ዘይገበረ ብዘይ ምሕረት ክፍረድ እዩሞ፤ ይኹን እምበር ምሕረት ንፍርዲ ትሥዕራ እያ።

[14] ኣኅዋተይ! ሓደ ሰብ እምነት ኣላትኒ እንተ በለ ተግባር ግና እንተዘይሃልይዎ እንታይ ትጠቕሞ? እዛ እምነት እዚኣዶ ኽተድኅኖ ትኽእል እያ?

[15] ኃው ወይ ኃፍቲ እንተ ዓረቑ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ

[16] እሞ ሓደ ኻባኻትኩም ንሥጋኦም ዘድሊ እንተይሃበ ብሰላም ኪዱ፤ ሓዊ ሰሓኑ፤ ጽገቡ እንተ በሎም እንታይ ይጠቕሞም?

[17] ከምኡ ኸዓ እምነት በይና ተግባር እንተ ዘይብላ ምውትቲ እያ።

[18] ሓደ ሰብ ንስኻ እምነት ኣላትካ ኣነ ኸዓ ተግባር ኣለኒ ዝብል እንተልዩ እምበኣር እምነትካ ብዘይ ተግባር ኣርእየኒ፤ ኣነውን እምነተይ ብተግባረይ ከርእየካ እየ።

[19] ንስኻስ ሓደ እግዚኣብሔር ከም ዘሎ ተኣምን ኢኻ፤ ጽቡቕ ገበርካ፤ ኣጋንንቲውን የኣምኑን ብፍርኂ ይንቅጥቐጡን እዮም።

[20] ግና ኣታ ዓሻ ሰብ እምነት ብዘይ ተግባር ፍረ ዘይብላ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ?

[21] ኣቦና ኣብርሃም ንወዱ ይስሓቅ ኣብ መሠውዒ ምስ ኣቕረቦ ብተግባሩዶ ኣይጸደቐን?

[22] እምነት ምስ ተግባር ኮይና ኸም ዝሠርሐት ከምኡውን ብተግባር ምልኣት ከም ዝረኸበት ትርኢዶ ኣለኻ?

[23] ኣብርሃም ብእግዚኣብሔር ኣመነ፤ ጽድቂ ኾይኑውን ተቖጸረሉ ዝብል ቃል መጽሓፍ ተፈጸመ። በዙይውን ዓርኪ እግዚኣብሔር ተብሃለ።

[24] ሰብ ብእምነት ጥራሕ ዘይኮነስ ብተግባር ከም ዝጸድቕዶ ትርኢ ኣለኻ?

[25] ከምኡ ኸዓ እታ ኣመንዝራ ረኣብ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም ብኻልእ መንገዲውን ምስ ኣውፅአቶም ብተግባርዶ ኣይጸደቐትን?

[26] እምበኣር ሥጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝኾነ እምነትውን ብዘይ ተግባር ምውትቲ እያ።

መልእኽቲ ያዕቆብ — Chapters