Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:00

[1] ሓዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ ጴጥሮስ ኣብ ጳንጦስ ገላትያ ቀጰዶቅያ እስያ ቢታንያ ተሰዲድኩምን ተበቲንኩምን ንዘለኹም

[2] እግዚኣብሔር ኣብ ኣቐዲሙ ብዝወሰኖ ዝኃረየኩም ንኢየሱስ ክርስቶስ እዙዛት ክትኾኑን ብምንዛኅ ደሙ ኸዓ ምእንቲ ኽትነጽሑ ብመንፈስ ቅዱስ ንዝተቐደስኩም ጸጋን ሰላምን ይብዝኀልኩም።

[3] ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ብምትሣኡ ሕያው ተስፋ ዝሃበና ብብዝኂ ምሕረቱ ብሓድሽ ልደት ውሉዱ ዝገበረና እግዚኣብሔር ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይመስገን።

[4] ንሱ ነቲ ዘይጠፍእን ዘይበላሾን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ኣዳልዩልና ዘሎ ርስቲ ኽንወርስ ገበረና።

[5] ንስኻትኩም ስለ ዝኣመንኩም እቲ ኣብ መወዳእታ ዘመን ክገሃድ ዘለዎ ድኅነት ክሳዕ ዝመጽእ ኃይሊ እግዚኣብሔር ክሕልወኩም እዩ።

[6] ንቑሩብ ጊዜ ብዙኅ ብዝዓይነቱ ፈተና ኽትኃልፉ እኳ ግዲ እንተ ኾነ በዙይ ክትሕጐሱ ኢኹም።

[7] እዝ ፈተና እዙይ ዝበጽሐኩም ከዓ እታ እምነትኩም ብሓዊ ኻብ ዝዂላዕ ብሉጽ ወርቂ የመና ኸቢራ ምእንቲ ኽትርከብ እሞ ኢየሱስ ክርስቶስ ክግለጽ እንተሎ ምስጋናን ስብሓትን ክብርን ምእንቲ ኽተምጽአልኩም እያ።

[8] -

[9] ንኢየሱስ ክርስቶስ እንተይርአኹምዎ ተፍቅርዎ ኣለኹም፤ ሕዚውን ኣይትሪኢዎን ዘለኹም፤ ብእኡ ግና ተኣምኑ ኣለኹም፤ ክንገር ብዘይከኣል ምሉእ ሓጐስውን ትሕጐሱ ኣለኹም። ናይ እምነትኩም ፍረ ኸዓ ድኅነት ነፍስኹም ተቐበልኩም።

[10] እቶም ብዛዕባ እቲ ንኣኻትኩም ዝተመደበ ጸጋ ዝተነበዩ ነቢያት ብዛዕባ እዝ ምድኃን እዙይ ጠየቑን መርመሩን፤

[11] እቲ ኣብኣቶም ኃዲሩ ብዛዕባ ስቓይ ክርስቶስን ብዛዕባ እቲ ዝስዕብ ክብሩን ተነብዩ ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ ብዛዕባ ኣየናይ ሰብን ኣየናይ ጊዜን የመልክት ከም ዝነበረ ይምርምሩ ነበሩ።

[12] ኣምላኽ ከዓ እቲ ኣገልግሎቶም ንኣኻትኩም እምበር ንባዕልቶም ከም ዘይኮነ ገለጸሎም። እዝ ነገራት እዙይ በቲ ኻብ ሰማይ ዝተልኣኸ መንፈስ ቅዱስ ገይሮም ወንጌል ዝሰበኹልኩም ልኡኻት ሕዚ ተነጊሩኩም ኣሎ። ነዝ ነገር እዙይ መላእኽቲውን ክርእይዎ ይምነዩ ነበሩ።

[13] ስለዙይ ሕቖ ልቡናኹም ተዓጢቕኩም ንሥራሕ ተዳለዉ፤ ብመጠን ንበሩ፤ ሙሉእ ተስፋኹም ከዓ ኢየሱስ ክርስቶስ እንትግለጽ ኣብ እትረኽብዎ ጸጋ ይኹን።

[14] እዙዛት ውሉድ ከም ምዃንኩም ከምቲ ቐደም ብዘይፍልጠት እትገብርዎ ዝነበርኩም ክፉእ ድልየትኩም ኣይትግበሩ።

[15] -

[16] ኣነ ቕዱስ እየ እሞ ቅዱሳን ኩኑ ዝብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ ከምቲ እቲ ዝጸውዐኩም ቅዱስ ዝኾነ ንስኻትኩምውን ብዂሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳን ኩኑ።

[17] ብዘይ ኣድልዎ ንነፍስ ወከፍ ሰብ ከከም ግብሩ ንዝፈርድ እግዚኣብሔር ኣቦ ኢልኩም እትጽውዕዎ እንተድኣ ኾይንኩም ኣብዚ ምድሪ ኣጋይሽ ኮይንኩም ኣብ ትነብሩሉ ጊዜ ንእኡ ብምፍራኅ ንበሩ።

[18] -

[19] ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም ዝወረስኩምዎ ኸንቱ ዝኾነ ሕይወት ዝደኃንኩም ብዝጠፍእ ነገር ብብሩር ወይ ብወርቂ ዘይኮነስ በቲ ነቐፋን ርኽሰትን ከም ዘይብሉ በጊዕ ዝኾነ ብኽቡር ደም ክርስቶስ ኢኹም ዝደኃንኩም።

[20] ንሱ ቕድሚ ምፍጣር ዓለም ዝተፈልጠ እንትኸውን ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና ምእንታና ተገሊጹ እዩ።

[21] እምነትኩምን ተስፋኹምን ኣብ እግዚኣብሔር ምእንቲ ክኸውን ብኢየሱስ ነቲ ንእኡ ኻብ ሞት ዘተሥኦ ኽብሪውን ዝሃቦ ብእግዚኣብሔር ኣመንኩም።

[22] ንሓቂ ብምእዛዝኩም ግብዝና ንዘይብላ ፍቕሪ ኣኅዋት ነፍስኹም ስለ ዘጽረኹም ብምሉእ ልብኹም ንስንሳትኩም ተፋቐሩ።

[23] ዳግም ዝተወለድኩም ብሕያውን ንዘለዓለም ብዝነብርን ቃል እግዚኣብሔር ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እዩ እምበር ካብ ዝጠፍእ ዘርኢ ኣይኮነን።

[24] መጽሓፍ ከም ዝብሎ፦ ኲሉ ሰብ ከም ሣዕሪ እዩ፤ ኲሉ ኽብሩውን ከም ዕምበባ በረኻ እዩ፤ እቲ ሣዕሪ ይነቅጽ፤ እቲ ዕምበባውን ይረግፍ፤

[25] ቃል እግዚኣብሔር ግና ንዘለዓለም ይነብር። እቲ ንኣኻትኩም ዝተሰበኸልኩም ቃል ብሥራት ከዓ እዙይ እዩ።

1 መልእኽቲ ጴጥሮስ — Chapters