Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 2:36

[1] ኣኅዋተይ! ንሕና መምህራን ዝበርትዐ ፍርዲ ኸም እንቕበል ፈሊጥኩም ብዙኃት መምህራን ኣይትኹኑ።

[2] ኲላትና ብብዙኅ ነገር ንስሕት ኢና። ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተልዩ ግና ንሱ ንዂለንትናኡ ኽመልኽ ዝኽእል ፍጹም ሰብ እዩ።

[3] እንሆ ኣፍራስ ምእንቲ ኽእዘዙና ኢልና ልጓም ኣብ ኣፎም ንገብረሎም፤ ንዂሉ ኣካላቶምውን ብእኡ ንመርሖ።

[4] እንሆ መራኽብ ድማ ኽንድዙይ ዝኣክል ዓበይቲ እንተለዋ ብብርቱዕ ንፋስ ዝዂብኰባ እንትኾና እቲ ኣዛዝ መርከብ ናብ ዝደልዮ ብንእሽተይ መቕዘፊ እየን ዝምርሓ።

[5] ከምኡ ድማ ልሳን ንእሽተይ ኣካል እንተላ ብዓብዪ ነገር ትምካሕ። እንሆ ንእሽተይ ሓዊ ኽንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተባርዕ!

[6] ልሳንውን ሓዊ እያ። ናይ ክፍኣት ዓለም ድማ እያ። እታ ንምሉእ ሰብነት እትምርዝ ክፍሊ ኣካላት ንምሉእ ጕዕዞ ናይ ሕይወትውን እተቃጽል እያ። ባዕላውን ኣብ ገሃነም ክትቃጸል እያ።

[7] ኲሉ ዓሌት እንስሳን ኣዕዋፍን ለመም ዝብል እንስሳ ባሕርን ንሰብ ይግዛእ፤ ተገዚኡውን ኣሎ።

[8] ንልሳን ግና ካብ ደቂ ሰብ ክገዝኣ ዝኽእል ሓደኳ የለን። ንሳ ዘይትዓርፍ ክፍእቲ ዝቐትል ሕንዚ ዝመልአት እያ።

[9] ብእኣ ጌርና ንእግዚኣብሔር ኣብ ነመስግን፤ ብእኣ ጌርናውን ነቶም ብኣርኣያ እግዚኣብሔር ዝተፈጥሩ ሰባት ንረግም።

[10] ካብ ሓደ ኣፍ ምስጋናን መርገምን ይወፅእ። ኣኅዋተይ! ከምዙይ ክኸውን ኣይግባእን እዩ።

[11] ዒላዶ ካብ ሓንቲ ዓይኒ ጥዑ ም ማይን መሪር ማይን ትፍልፍል እያ?

[12] ኣቱም ኣኅዋተይ! ኦም በለስ ፍረ ኣውልዕ ተኽሊ ወይኒ ፍረ በለስ ክትፈሪዶ ይከኣላ እዩ? ከምኡውን እታ መሪር ማይ እትፍልፍል ዒላ ጥዑም ማይ ክትፍልፍል ኣይከኣላን እዩ።

[13] ኣብ ማእኸልኩም ለባምን መስተውዓልንዶ ኣሎ? ብሠናይ ኣካይዳኡን ትሕትና ብዝመልኦ ጥበብን ገይሩ ሠናይ ተግባሩ የርኢ።

[14] ኣብቲ መሪር ቅንእን ርእስኻ ምፍታውን ኣብ ልብኹም እንተሃልዩኩም ኣይትመክሑ፤ ኣብ ልዕሊ እታ ሓቂውን ኣይትሓስዉ።

[15] እዛ ጥበብ እዚኣ ምድራዊትን ሥጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር ካብ እግዚኣብሔር ኣይኮነትን።

[16] ኣብቲ ቕንእን ርእስኻ ምፍታውን ዘለዎ ኣብኡ ሁከትን ኲሉ ኽፉእ ተግባርን ኣሎ።

[17] እታ ኻብ እግዚኣብሔር ዝኾነት ጥበብ ግና ቅድሚ ዂሉ ንጽህቲ እያ። ደኃር ሰላማዊት ሕያወይቲ ሕራይ በሃሊት ገባሪት ምሕረት ጽቡቕ ፍረ ዝመልአት ጥርጥርን ግብዝናን ዘይብላ እያ።

[18] ብሰላም ዝዘርኡ ገበርቲ ሰላም ፍረ ጽድቂ ይዓጽዱ።

መልእኽቲ ያዕቆብ — Chapters