Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:18

[1] ኣኅዋትና! ብዛዕባ ጊዜያቱን ወርኃቱን ግና ክንጽሕፈልኩም ኣየድልን እዩ።

[2] ሰራቒ ብለይቲ ኸም ዝመጽእ መዓልቲ ጐይታውን ከምኡ ከም እትመጽእ ንስኻትኩም ብርግጽ ትፈልጡ ኢኹም እሞ።

[3] ሰባት ሰላም እዩ፤ ዘተኣማምን እዩ ክብሉ እንተለዉ ከምቲ ንነፍሰ ፁር ሕማም ሕርሲ ዝሕዛ ብድንገት ጥፍኣት ክመጾም እዩ። ፈጺሞም ከምልጡ ኣይኽእሉን እዮም።

[4] ኣኅዋትና! ንስኻትኩም ግና ኣብ ጸልማት ስለ ዘይትነብሩ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሰራቒ ኣይትመጸኩምን እያ።

[5] ንስኻትኩምስ ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም። ንሕና ደቂ ለይትን ደቂ ጸልማትን ኣይኮናን።

[6] እምበኣር ንንቃሕ፤ ርእስና ንቖጻጸር ደኣ እምበር ከምቶም ካልኦት ደቀስቲ ኣይንኹን።

[7] እቶም ዝድቅሱስ ብለይቲ እዮም ዝድቅሱ፤ እቶም ዝሰኽሩውን ብለይቲ እዮም ዝሰኽሩ እሞ።

[8] ንሕና ግና ደቂ መዓልቲ ስለ ዝኾንና እምነትን ፍቕርን ከም ድርዒ ለቢስና ናይ ድኅነት ተስፋ ኸዓ ኸም ቁራዕ ርእሲ ደፊእና ርእስና ብምግታእ ንንበር።

[9] እግዚኣብሔር ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅነት ክንረክብ እምበር ንቝጥዓ ኣይጸውዐናን እሞ።

[10] እንተሃሊና ወይ እንተሞይትና ምስኡ ሓቢርና ብሕይወት ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ ክርስቶስ ምእንታና ሞተ።

[11] ስለዙይ ከምቲ እትገብርዎ ዘለኹም ንስንሳትኩምውን ተተባብዑ ፤ ንስንሳትኩምውን ተሃናነጹ።

[12] እምበኣር ኣቱም ኣኅዋትና! ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዝፅዕሩን ብጐይታውን ዝመርሑኹምን ዝምዕዱኹምን ክተኽብርዎም ንልምነኩም ኣለና።

[13] ስለቲ ሥራሖም ብፍቕሪ ኣብሊጽኩም ኣኽብርዎም፤ ንስንሳትኩምውን ብሰላም ንበሩ።

[14] ኣቱም ኣኅዋትና! ነቶም ዘይሠርሑ ሃካያት ገሥጽዎም፤ ነቶም ተስፋ ዝቐበጹ ኣተባብዕዎም፤ ነቶም ድኹማት ሓግዝዎም፤ ምስ ኲሉውን ዕጉሣት ክትኮኑ ንምዕደኩም ኣለና።

[15] ሓደኳ ነቲ ኽፉእ ዝገበሮ ብኽፉእ ከይፈድዮ ተጠንቀቁ፤ ግና ዂልሻዕ ንስንሳትኩም ኮነ ምስ ኲሉ ሰብ ሠናይ ንምግባር ፀዓሩ እምበር።

[16] ኲልሻዕ ተሓጐሱ፤

[17] እንተየቋረጽኩም ጸልዩ፤

[18] ብዂሉ ኣመስግኑ፤ ኣብቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘለኩም ሕይወት እግዚኣብሔር ካባኻትኩም ዝደልዮ እዙይ እዩሞ።

[19] ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣይተዳኽሙ፤

[20] ትንቢት ኣይትንዓቑ።

[21] ንዂሉ መርሚርኩም ነቲ ሠናይ ኃዝዎ።

[22] ካብ ኲሉ ኽፉእ ረኃቑ።

[23] ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ንዂለንትናኹም ይቐድሶ፤ በታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመጸላ መዓልቲ ኸዓ ብዘይ ነቐፋ ምእንቲ ኽትርከቡ ንመንፈስኩምን ነፍስኹምን ሥጋኹምን የሓልዎ።

[24] እቲ ዝጸውዐኩም እሙን እዩ፤ ንሱውን ክገብሮ እዩ።

[25] ኣቱም ኣኅዋትና! ምእንታና ጸልዩ።

[26] ንዂላቶም ኣኅዋትውን ብቅዱስ ሰላምታ ሰላም በልዎም።

[27] ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ኣብ ቅድሚ ዂሎም ኣኅዋት ክተንብብዋ ብእግዚኣብሔር አማኅፅነኩም ኣለኹ።

[28] ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።

1 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ — Chapters