Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 2:47

[1] ብዝተረፈ ኣኅዋተይ! ንእግዚኣብሔር ምእንቲ ኽተሐጕስዎ ከመይ ገይርኩም ክትነብሩ ኸም ዝግብአኩም ካባና ተምሂርኩም ኢኹም። ድሮ እኳ ትነብርዎ ኣለኹም። ሕዚ ኸዓ ነዙይ ብዝበለጸ ኽትነብርዎ ብጐይታና ኢየሱስ ንልምነኩምን ነተባብዐኩምን ኣለና።

[2] ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ኸም ዝሃብናኩም ትፈልጡ ኢኹም እሞ።

[3] ፍቓድ እግዚኣብሔር ንስኻትኩም ክትቅደሱን ካብ ዝሙት ክትርኅቑን እዩ።

[4] ነፍስ ወከፍ ሰብ ሰብነቱ ብቕድስናን ብኽብርን ዓቂብካ ምንባር ይፍለጥ።

[5] ከምቶም ንእግዚኣብሔር ዘይፈልጡ ኣሕዛብ ድማ ብፍትወት ሥጋ ኣይትስነፉ።

[6] ሓደኳ በዝ ነገር እዙይ ጥሒሱ ንኃዉ ኣይበድሎን ኣይበለጸሉን። ከምቲ ኣቐዲምና ዝነገርናኩምን ዘጠንቀቕናኩምን ከምዙይ ንዝገብሩ እግዚኣብሔር ፈዳይ ሕነ እዩሞ።

[7] እግዚኣብሔር ንቕድስና እምበር ንርኽሰት ኣይጸውዐናን።

[8] እምበኣር እቲ ነዙይ ዘይቕበል ነቲ ቕዱስ መንፈሱ ዝህበኩም ኣምላኽ እምበር ንሰብ ኣይኮነን ምቕባል ዝኣቢ ዘሎ።

[9] ብዛዕባ ፍቕሪ ኣኅዋት ግና ንስንሳትኩም ምፍቓር ካብ እግዚኣብሔር ተምሂርኩም ኢኹም እሞ ሓደኳ ኽጽሕፈልኩም ኣየድልን ።

[10] ብርግጽ ኣብ ኲላ መቄዶንያ ንዘለዉ ኣኅዋት ትፈትዉ ኢኹም፤ ግና ኣቱም ኣኅዋትና! ነዙይ ብዝበለጸ ኽትገብርዎ ንምዕደኩም ኣለና።

[11] -

[12] ኣብ ናብራኹም ካብ ሰብ ምእንቲ ኸይትደልዩ እቶም ካብ እምነት ወፃኢ ዘለዉ ኸዓ ምእንቲ ከኽብሩኹም ከምቲ ዝኣዘዝናኩም ብህድኣት ክትነብሩን ኣብ ናይ ርእስኹም ጉዳይ ክተተኲሩን ብኢድኩም ክትሠርሑን ድለዩ።

[13] ግና ኣኅዋተይ! ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትኃዝኑ ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ኽትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።

[14] ኢየሱስ ከም ዝሞተ ካብ ሞትውን ከም ዝተሥአ እንተድኣ ነኣምን ኮይንና እግዚኣብሔር ነቶም ብኢየሱስ ኣሚኖም ዝሞቱ ብኢየሱስ ኣተሢኡ ምስኡ ኸምጽኦም እዩ።

[15] ንሕና ኽሳዕ ምጽኣት ጐይታ ብሕይወት እንጸንሕ ኸዓ ነቶም ዝሞቱ ኸቶ ኸም ዘይንቕድሞም ብቓል ጐይታ ንነግረኩም ኣለና።

[16] ጐይታ ባዕሉ ብብርቱዕ ቃል ትእዛዝን ብድምፂ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት እግዚኣብሔርን ካብ ሰማይ ክወርድ እዩ። እቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም ዝሞቱ ኸዓ ቀዲሞም ክትሥኡ እዮም።

[17] ብድኅርዙይ ንሕና ብሕይወት እንጸንሕ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ ምስኣቶም ሓቢርና ብደመና ክንዓርግ ኢና። ንሓዋሩ ድማ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና።

[18] ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን ንስንሳትኩም ተጸናንዑ ።

1 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ — Chapters