Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 2:02

[1] ካብ ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን ናብታ ኣብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ዘላ ቤተ ክርስቲያን ተሰሎንቄ ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።

[2] ምእንቲ ዂልኹም ንእግዚኣብሔር ኲልሻዕ ነመስግኖ ኣለና፤ ኣብ ጸሎትናውን ኲሉ ጊዜ ንዝክረኩም ኣለና።

[3] ነቲ ናይ እምነት ሥራሕኹም ነቲ ኣብ ፍቕሪ ዝተመሥረተ ፃዕርኹም ነቲ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘሎ ተስፋ ዝተመሥረተ ጽንዓትኩም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን እንተየብኰርና ንዝክር ኣለና።

[4] ኣቱም ብእግዚኣብሔር ፍቑራት ኣኅዋትና! እግዚኣብሔር ከም ዝኃረየኩም ንፈልጥ ኢና።

[5] እቲ ንሕና እንሰብኮ ወንጌል ብኃይልን ብመንፈስ ቅዱስን ብምሉእ ምርዳእን እምበር ብቓል ጥራሕ ኣይመጸኩምን። ንሕናውን ምእንታኻትኩም ክንብል ኣብ ማእኸልኩም ከመይ ኢልና ኸም ዝነበርና ትፈልጡ ኢኹም።

[6] ብዙኅ መከራ እኳ እንተ ተቀበልኩም ነቲ ቓል በቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝተረኽበ ሓጐስ ብምቕባልኩም ንኣናን ንጐይታን መሰልኩም።

[7] ስለዙይ ነቶም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ዘለዉ ዂላቶም ኣመንቲ ኣርኣያ ኾንኩምዎም።

[8] እዝ ኻባኻትኩም ዝወፀ ቃል እግዚኣብሔር ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ጥራሕ ኣይኮነን ዝተሰምዐ፤ እቲ ኣብ እግዚኣብሔር ዘለኩም እምነት ኣብ ኲሉ ሥፍራ ተሰሚዑ እዩ። ስለዙይ ንሕና ኽንዛረበሉ ኣየድልን እዩ።

[9] -

[10] ነቲ ሕያው ንዝኾነ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክተገልግሉን ነቲ ካብ ሞት ዘተሠኦ ካብቲ ዝመጽእ ቊጥዓ ዘድኅነናን ወዱ ኢየሱስውን ካብ ሰማያት ክትጽበዩ ኽትብሉ ከመይ ገይርኩም ንጣዖታት ኃዲግኩም ናብ እግዚኣብሔር ከም ዝተመለስኩም ናባኻትኩም ምስ መጻእናውን ከመይ ገይርኩም ከም ዝተቐበልኩምና እዞም ሕዝቢ እዚኣቶም ባዕልቶም ይምስክሩ እዮም።

1 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ — Chapters