[1] ኣኅዋተይ! እቲ ናባኻትኩም ምምጻእና ንኸንቱ ኸም ዘይኮነ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
[2] ከም እትፈልጥዎ ቕድም ኣብ ፊልጵስዩስ መከራ ተቐበልናን ተዋረድናን። ይኹን እምበር እንተ ቲወሙናኳ ብረድኤት እግዚኣብሔር ወንጌል ብትብዓት ሰቢኽናልኩም ኢና።
[3] እቲ ምዕዶና ኻብ ጌጋ ወይ ካብ ርኽሰት ወይ ከዓ ኽንጥብረኩም ኢልና ዝገበርናዮ ኣይኮነን።
[4] እኳ ደኣ ነቲ ኅድሪ ዝተውሃበና ወንጌል ብእግዚኣብሔር ከም ዝተመስከረሎም ሰባት ንዛረብ ኣለና። ዕላማና ንሰብ ዘይኮነስ ነቲ ልቢ ዝምርምር እግዚኣብሔር ምሕጓስ እዩ።
[5] ብቓል ቅብጥር ወይ እናመኽነና ብስስዐ ተደፋፊእና ኸም ዘይተዛረብናኩም ትፈልጡ ኢኹም፤ እግዚኣብሔር ከዓ ምስክርና እዩ።
[6] ካባኻትኩም ኮነ ኻብ ካልኦት ሰባት ክብሪ ኣይደለናን። ሓዋርያት ክርስቶስ ከም ምዃንና ክነኽብደልኩም ምኸኣልና ኔርና።
[7] እንተኾነ ኸምታ ነናእሽተይ ደቃ እትከናኸን እኖ ኣብ ማእኸልኩም ርህሩሃት ነበርና።
[8] ከምኡ ንሕናውን ስለ እንናፍቐኩም የመናውን እነፍቅረኩም ስለ ዝኾንና ሕይወትናውን እምበር ወንጌል እግዚኣብሔር ጥራሕ ኣይኮንናን ከነካፍለኩም እንምነ ዝነበርና።
[9] ኣኅዋተይ! ንሓደኳ ኸይነኽብደሉ ኢልና ለይትን መዓልትን እናሠራሕና ወንጌል ከም ዝሰበኽናልኩም ድኻምናን ፃዕርናን ትዝክርዎ ኢኹም።
[10] ኣባኻትኩም ኣብ ማእኸል እትኣምኑ ብቕድስናን ብጽድቅን ብዘይ ነቐፋን ከም ዝነበርና ንስኻትኩምን እግዚኣብሔርን ምስክር ኢኹም።
[11] -
[12] ነቲ ንመንግሥቱን ክብሩን ዝጸውዐኩም እግዚኣብሔር ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትነብሩ ንነፍስ ወከፍኩም ከም ኣቦ ንውሉዱ ከመይ ገይርና ንምዕደኩምን ነጸናንዐኩምን ነተባብዐኩምን ከም ዝነበርና ትፈልጡ ኢኹም።
[13] ነቲ ኻባና ዝሰማዕኹምዎ ቓል እግዚኣብሔር ምስ ተቐበልኩምዎ ከምቲ ኣባኻትኩም ኣብ ኣመንቲ ዝሠርሖ ዘሎ ከምቲ ሓቁ ከም ቃል እግዚኣብሔር እምበር ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ ንሕና እንተየቋረጽና ንእግዚኣብሔር ነመስግኖ ኣለና።
[14] ኣኅዋተይ! ንስኻትኩም ነተን ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነብራ ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን እግዚኣብሔር መሲልኩምወን ኢኹም። ከምቲ ንሳተን ብኣይሁድ መከራ ዝተቐበላ ንስኻትኩምውን ከምኡ ብደቂ ዓድኹም መከራ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ።
[15] ኣይሁድ ንጐይታና ኢየሱስን ንነቢያትን ቀተልዎም፤ ንኣና ኸዓ ኣሳጐጕና፤ ንእግዚኣብሔርውን የኅዝኑን ምስ ኲሉ ሰብ ከዓ ይጻልኡን ኣለዉ።
[16] ኣሕዛብ ምእንቲ ኽድኅኑ ንሕና ወንጌል ከይንሰብከሎም ብምኽልካሎም በዙይ ከዓ ኸም ቀደሞም መስፈር ኃጢኣቶም ይመልኡ ኣለዉ። ግና ቝጥዓ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊኦም ድሮ ወሪዱ ኣሎ።
[17] እንተኾነ ኣኅዋተይ! ንሕና ግና ብልብና ምሳኻትኩም እኳ እንተሃለና ብኣካል ንሓፂር ጊዜ ካባኻትኩም ተፈሊና ስለ ዝነበርና ገጽኩም ክንርኢ ብዙኅ ናፍቖትን ሃረርታን ነይሩና።
[18] ስለዙይ ናባኻትኩም ክንመጽእ ደሊና ኔርና፤ ኣነ ጳውሎስ እኳ ደጋጊመ ኽመጽእ ፈቲነ ነይረ፤ ግና ሰይጣን ዓዐንቀፈና።
[19] ተስፋና ወይ ሓጐስና ወይ ከዓ ኣብ ካልኣይ ምጽኣቱ ኣብ ቅድሚ ጐይታና ኢየሱስ እንምክሐሉ ኣኽሊልና መን ድዩ? ንስኻትኩምዶ ኣይኮንኩምን?
[20] ብርግጽ ክብርናን ሓጐስናን ንስኻትኩም ኢኹም።