Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 2:03

[1] ስለዙይ ክንዕገሥ ስለ ዘይከኣልና ኣብ ኣቴና በይንና ኽንተርፍ መረጽና።

[2] -

[3] በዝ መከራዙይ ሓደኳ ኸይሰናኸል ነቲ ሓውና ኣብ ናይ ክርስቶስ ስብከት ወንጌል ከዓ መሣርሕትና ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ጢሞቴዎስ ኣብ እምነትኩም ከተባብዐኩምን ከጸናንዐኩምን ለኣኽናዮ። ንሕና ነዝ መከራዙይ ከም ዝተመደብና ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።

[4] ምሳኻትኩም እንተለናውን መከራ ኸም እንቕበል ኣቐዲምና ነጊርናኩም ነይርና፤ ከም እትፈልጥዎ ድማ እንሆ መከራ በጽሐና።

[5] ካብዙይ ንላዕሊ ኽዕገሥ ስለ ዘይከኣልኩ ምናልባሽ እቲ ፈታኒ ፈቲኑኩም ከይኸውን እሞ እቲ ፃዕርና ከንቱ ከይኸውን ኢለ ብዛዕባ እምነትኩም ምእንቲ ኽፈልጥ ንጢሞቴዎስ ለኣኽክዎ።

[6] ሕዚ ግና ጢሞቴዎስ ካባኻትኩም ናባና ስለ ዝተመልሰ ናይ እምነትኩምን ፍቕርኹምን ዘሐጕስ ዜና ኣምጽአልና፤ ብጽቡቕ ከም እትዝክሩና ከምቲ ንሕና ኽንርእየኩም እንናፍቕ ንስኻትኩምውን ክትርእዩና ኸም እትናፍቑ ነገረና።

[7] ስለዙይ ኣኅዋተይ! ኣብ ኲሉ ጭንቅናን መከራናን በቲ ናታትኩም ኣብ እምነት ምጽናዕ ተጸናኒዕና ኣለና።

[8] ንስኻትኩም ኣብ ጐይታ ብምጽናዕኹም ንሕና ብሕይወት ንነብር ኣለና።

[9] ስለቲ ብኣኻትኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዝተሓጐስናዮ ታሕጓስ ንኣምላኽ ከመይ ዝበለ ምስጋና ኢና ኽነቕርብ እንኽእል!

[10] ገጽኩም ክንርእን ኣብቲ እምነትኩም ዝጐደለ ኽንምልእን ለይትን መዓልትን ተጊህና ንጽሊ ኣለና።

[11] ግና ባዕሉ እግዚኣብሔር ኣቦናን ጐይታና ኢየሱስን ናባኻትኩም ንኽንመጽእ መንገድና የቕነዐልና።

[12] ከምቲ ንሕና ንኣኻትኩም እነፍቅረኩም ጐይታ ኣብ ንስንሳትኩምን ምስ ኲሉ ሰብን ፍቕሪ የብዝኀልኩምን ይወስኸልኩምን።

[13] በታ ጐይታ ምስ ኲሎም ቅዱሳን ዝመጸላ መዓልቲ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣቦና ነቐፋ ዘይብሎም ቅዱሳን ምእንቲ ኽትኮኑ ልብኹም የበርትዕ።

1 መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ — Chapters