[1] ካብ ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን ናብታ ኣብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ዘላ ቤተ ክርስቲያን ተሰሎንቄ።
[2] ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።
[3] ኣኅዋትና! እምነትኩም በሊጻ እናዓበየት ትኸይድ ስለ ዘላ እታ ኣብ ንስንሳትኩም ዘላ ናይ ነፍስ ወከፍኩም ፍቕሪውን እናበዝኀት ትኸይድ ስለ ዘላ ብኣኻትኩም ኲሉ ጊዜ ንእግዚኣብሔር ነመስግኖ ኢና፤ እዙይ ከዓ ግቡእና እዩ።
[4] ስለዙይውን ንሕና ባዕልትና ብጽንዓትኩምን እምነትኩምን በቲ ኣብ ስደትን መከራን እትዕገሥዎ ዘለኹምን ኣብተን ኣብ እግዚኣብሔር ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን ብኣኻትኩም ንምካሕ ኣለና።
[5] መከራ እትቕበሉ ዘለኹም ንመንግሥቲ እግዚኣብሔር ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትርከቡ ናይ እግዚኣብሔር ፍርዲ ቕኑዕ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።
[6] እግዚኣብሔር ቅኑዕ ፈራዲ ስለ ዝኾነ ኣብ ልዕሊ እቶም መከራ ዘምጽኡልኩም መከራ ኽፈድዮም እዩ።
[7] ጐይታና ኢየሱስ ምስቶም ኃያላት መላእኽቱ ብነበልባል ሓዊ ኻብ ሰማይ እንትመጽእ መከራ ንትቕበሉ ንኣኻትኩም ምሳና ዕረፍቲ ኽህበኩም እዩ።
[8] ነቶም ንእግዚኣብሔር ዘይፈልጥዎን ነቶም ንወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ዘይእዘዝዎን ከዓ ኽቐጽዖም እዩ።
[9] -
[10] ነቲ ዝመስከርናልኩም ስለ ዝተቐበልኩምዎ በታ ብቕዱሳኑ ዝኸብረላን በቶም ዝኣምኑ ዂሎም ዝድነቐላን መዓልቲ ንሳቶም ካብ ገጽ ጐይታ ኾነ ኻብ ግርማ ኃይሉ ኽርሕቑ ብናይ ዘለዓለም ጥፍኣትውን ክቕጽዑ እዮም።
[11] ነዙይ ብምሕሳብ ኣምላኽና ንጸውዒቱ ብቑዓት ምእንቲ ኽገብረኩም ብኃይሉ ኸዓ ነቲ ሠናይ ንምግባር ዘለኩም ድልየትን ናይ እምነትኩም ተግባርን ኲሉ ምእንቲ ኽፍጽመልኩም ኲልሻዕ ምእንታኻትኩም ንጽሊ ኣለና።
[12] ከም መጠን ጸጋ ኣምላኽናን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ስም ጐይታና ኢየሱስ ኣባኻትኩም ምእንቲ ክኸብር ንስኻትኩምውን ብእኡ ምእንቲ ኽትከብሩ ንጽሊ ኣለና።