[1] ኣቱም ጐይቶት ንስኻትኩምውን ኣብ ሰማይ ጐይታ ኸም ዘለኩም ፈሊጥኩም ንመገልገልትኹም ቕኑዓትን ዘይተዳልዉን ኩኑ።
[2] ጸሎት ኣዘውትሩ፤ ኣብ ጸሎትኩም ከዓ ንቑሓትን መመስገንትን ኩኑ።
[3] ነቲ ምእንታኡ ተኣሲረ ዘለኹ ምሥጢር ክርስቶስ ምእንቲ ኽንሰብኽ እግዚኣብሔር ንቓሉ ኣፍ ደገ ክኸፍተልና ምእንታና ጸልዩ።
[4] ኣነውን ከምቲ ዝግብአኒ ገይረ ነቲ ቓል ምእንቲ ብግልጺ ኽናገር ጸልዩለይ።
[5] ነቲ ዝተውሃበኩም ጊዜ ብግቡእ እናተጠቐምኩም ምስቶም ዘይኣምኑ ብጥበብ ንበሩ።
[6] ንነፍስ ወከፍ ብቑዕ መልሲ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ ኣዘራርባኹም ብጨው ከም ዝተቐመመ ዂልሻዕ ብጸጋ ዝመልአ ይኹን።
[7] ቲኪቆስ እቲ ፍቑር ኃውናን እሙን ኣገልጋልን ብጐይታ መሳርሕተይን ከመይ ከም ዘለኹ ኸፍልጠኩም እዩ።
[8] ናባኻትኩም ዝሰዶ ዘለኹ ብዛዕባ ሃለዋትና ምእንቲ ኽትፈልጡን ልብኹም ምእንቲ ኸጸናንዕን ኢለ እየ።
[9] ምስኡውን ነቲ ኻባኻትኩም ዝኾነ እሙንን ፍቑርን ኃውና ኣናሲሞስ እሰደልኩም ኣለኹ፤ ንሳቶም እቲ ኣብዙይ ዝኾነ ዂሉ ኽነግሩኹም እዮም።
[10] እቲ መተኣስርተይ ዝኾነ ኣርስጠርኮስ ሰላም ይብለኩም ኣሎ፤ ማርቆስ ወዲ ኃው ኣቦኡ ንበርናባስውን ሰላም ይብለኩም ኣሎ። እዙይ እቲ እንተ መጸኩም ብጽቡቕ ተቐበልዎ ኢለኩም ዝነበርኩ ሰብ እዩ።
[11] ኢዩስጦስ ዝተብሃለ ኢያሱ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ንመንግሥቲ እግዚኣብሔር ምሳይ ዘገልግሉ ንኣይውን ዘጸናንዑ ኒ ዘለዉ ኣይሁድ እዚኣቶም ጥራሕ እዮም።
[12] እቲ ሓደ ኻባኻትኩም ምሉኣትን ብዂሉ ናይ እግዚኣብሔር ፍቓድ ተረዲእኹም ጸኒዕኹም ደው ምእንቲ ኽትብሉ ተጊሁ ብጸሎት ዝጋደለልኩም ዘሎ ባርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾነ ኤጳፍራስ ሰላም ይብለኩም ኣሎ።
[13] ንሱ ምእንታኻትኩምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎደቅያን ኣብ ኢያራጶሊስ ዘለዉን ብዙኅ ጻዕሪ ኸም ዘለዎ እምስክረሉ ኣለኹ።
[14] ሉቃስ እቲ ፍቑር ሓኪምን ዴማስን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
[15] ነቶም ኣብ ሎዶቅያ ዘለዉ ኣኅዋትን ንኒምፋስን ነታ ኣብ ገዛኣ ዘላ ቤተ ክርስቲያንን ሰላም በሉለይ።
[16] ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ምሰንበብኩምዋ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሎዶቅያ ኸም እትንበብ ግበሩ፤ ንስኻትኩምውን ነታ ካብ ሎዶቅያ እትመጽእ መልእኽቲ ኣንብብዋ።
[17] ንኣክርጳ ድማ ነታ ብጐይታ ዝተቐበልካያ ኣገልግሎት ከም እትፍጽማ በልዎ።
[18] እዝ ሰላምታ እዙይ ኣነ ጳውሎስ ብኢደይ እጽሕፈልኩም ኣለኹ። መዋቕሐይ ዘክሩ። ጸጋ ምሳኻትኩም ይኹን።