Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 2:18

[1] ኣነ ኸምኣቶም መራሕ ቤተ ክርስቲያን ዝኾንኩ ናይቲ ክርስቶስ ዝተቐበሎ ስቓይ መስካሪ ኣብቲ ደኃር ክግለጽ ዘለዎ ኽብሪውን ተኻፋሊ ዝኾንኩ ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን እምዕዶም ኣለኹ።

[2] ነቲ ሓደራ ዝተውሃበኩም መጓሰ እግዚኣብሔር ሓልውዎ፤ እንተኾነ ኸም ፍቓድ እግዚኣብሔር ብፍታው እምበር ብግዲ ኣይኹን። ብጽቡቕ ድልየት እምበር ንኸንቱ ረብኃ ኣይኹን።

[3] ነቲ መጓሰ ኣርኣያ ደኣ ኹንዎ እምበር ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተውሃቡኹም መጓሰ ጐይቶት ኣይትኹኑ።

[4] እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ድማ ዘይኃልፍ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም።

[5] ከምኡ ኸዓ ኣቱም መንእሰያት ነቶም ዝዓብዩኹም ተኣዘዝዎም። እግዚኣብሔር ንዕቡያት ይቃወሞም፤ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም። ከም ዝብል ትሕትና ለቢስኩም እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል።

[6] ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኸብለኩም ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ እግዚኣብሔር ርእስኹም ትሕት ኣብሉ።

[7] ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ ንዂሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።

[8] እቲ መፃርርትኹም ዲያብሎስ ዝውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ እሞ ንቕሑ! ኣስተውዕሉ!

[9] ብእምነት ጸኒዕኹም ተቓወምዎ፤ ነቶም ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ኣኅዋትኩምውን እዝ መከራ እዙይ ይበጽሖም ከም ዘሎ ትፈልጡ ኢኹም።

[10] ብፍጹም ፍቕሪ ናብ ዘለዓለም ክብሩ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝጸውዐኩም ናይ ኲሉ ጸጋ እግዚኣብሔር ቊሩብ ጊዜ መከራ ምስ ተቐበልኩም ንሱ ኽፍጽመልኩም ከጽንዐኩም ከበርትዐኩም ክምሥርተኩምውን እዩ።

[11] ንእኡ ንዘለዓለመ ዓለም ክብርን ሥልጣንን ይኹን! ኣሜን።

[12] በቲ እሙን ምዃኑ ዝፈልጦ ኃውና ስልዋኖስ ገይረ ነዛ ሓፃር መልእኽቲ ጽሒፈልኩም ኣለኹ። እዙይ ከዓ ኸተባብዐኩምን እዙይ ናይ ሓቂ ጸጋ ኣምላኽ ምዃኑ ኽገልጸልኩምን ኢለ እየ። ኣብዝ ጸጋ እዙይ ጸኒዕኹም ቁሙ።

[13] እታ መተኃርይትኹም ዝኾነት ኣብ ባቢሎን እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ሰላም ትብለኩም ኣላ። ማርቆስ ወደይውን ሰላም ይብለኩም ኣሎ።

[14] ብክርስቲያናዊ ፍቕሪ ብቕዱስ ሰላምታ ንስንሳትኩም ሰላም ተበሃሃሉ። ብክርስቶስ ንዘለኹም ኲልኻትኩም ሰላም ይኹን። ኣሜን።

1 መልእኽቲ ጴጥሮስ — Chapters