Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:43

[1] እምበኣር ንዂሉ ኽፍኣትን ምትላልን ግብዝናን ቅንእን ሓሜትን ኣወግዱ።

[2] -

[3] እግዚኣብሔር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተዄንኩም ብእኡ ምእንቲ ኽትዓብዩ ከምቶም ሕዚ ዝተወለዱ ሕፃናት ነቲ ጽሩይ መንፈሳዊ ጸባ በሃጉ።

[4] ናብቲ ብሰብ ዝተንዓቐ ብኣምላኽ ግና ኅሩይን ክቡርን ዝኾነ ሕያው እምኒ ናብ ጐይታ ኢየሱስ ቅረቡ።

[5] ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ካህናት ኴንኩም ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ እግዚኣብሔር ቅቡል ዝኾነ መንፈሳዊ መሥዋዕቲ ምእንቲ ኽተቕርቡ ከም ሕያዋን ኣእማን ኴንኩም ኣብ መንፈሳዊ ቤት ተሓነጹ።

[6] ቅዱስ መጽሓፍ ከም ዝብል፦ እንሆ ኣብ ጽዮን ኅሩይን ክቡርን እምኒ መኣዝን አንብር አለኹ፤ እቲ ብእኡ ዝኣምን ከዓ ኣይኃፍርን እዩ።

[7] እምበኣር ንእትኣምኑ ንኣኻትኩም ክቡር እዩ። ነቶም ዘይኣምኑ ግና እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ

[8] ከምኡውን፦ እምኒ መዐንቀፍን ኣንደልሂጹ ዘውድቕ ኰዂሕን እዩ። ነቲ ቓል ብዘይምእዛዞም ወደቑ፤ ነዙይ ከዓ ምዱባት ነበሩ።

[9] ንስኻትኩም ግና ናይቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝጸውዐኩም ዘደንቕ ሥራሕ እግዚኣብሔር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረጸኩም ኅሩይ ወለዶ ናይ ንጉሥ ካህናት እግዚኣብሔር ናቱ ዝገበረኩም ቅዱስ ሕዝቢ ኢኹም።

[10] ንስኻትኩም ቀደም ሕዝቡ ኣይነበርኩምን፤ ሕዚ ግና ሕዝቢ እግዚኣብሔር ኢኹም፤ ቀደም ምሕረት ኣይረኸብኩምን፤ ሕዚ ግና ምሕረት ረኺብኩም ኢኹም።

[11] ኣቱም ፍቑራተይ! ኣጋይሽን ስደተኛታትን ስለ ዝኾንኩም ካብቲ ምስ ነፍሲ ዝዋጋእ ሥጋዊ ፍትወት ረሓቑ እናበልኩ እመኽረኩም ኣለኹ።

[12] እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዝሓምዩኹም ዘለዉ ንሠናይ ግብርኹም ርእዮም በታ እግዚኣብሔር ዝሕውጸላ መዓልቲ ንእግዚኣብሔር ምእንቲ ኸመስግንዎ ኣብ ማእኸል ኣሕዛብ ኣካይዳኹም ኣጸብቑ።

[13] ምእንቲ እግዚኣብሔር ኢልኩም ንሰብ ሥልጣን ኲሎም ተገዝእዎም፤ ነቲ ዝለዓለ ሥልጣን ዘለዎ ንጉሥ ኮነ

[14] ንሹመኛታትውን ተኣዘዙ፤ ንገበርቲ እከይ ክቐጽዑ ንገበርቲ ሠናይ ድማ ኽንእዱ ካብኡ ዝተልኣኹ እዮምሞ።

[15] ሠናይ እናገበርኩም ናይ ዓያሹ ኸንቱ ዘረባ ስቕ ክተብሉ ፍቓድ እግዚኣብሔር እዩሞ።

[16] ከም ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ብሓርነት ንበሩ እምበር ነቲ ሓርነትስ መጐልበቢ ኽፍኣት ኣይትግበርዎ።

[17] ንዂሉ ሰብ ኣኽብሩ፤ ፍቕሪ ኣኅዋት የሃሉኹም፤ ንእግዚኣብሔር ፍርኁዎ፤ ንንጉሥውን ኣኽብርዎ።

[18] ኣቱም ግዙኣት ነቶም ሕያዎትን ርኅሩኃትን ጐይቶትኩም ጥራሕ ዘይኮነስ ነቶም ክፉኣትውን እንተይተረፈ ብዂሉ ኽብሪ ተኣዘዝዎም።

[19] ሓደኳ ተዓሚፁ እንተሎ ምእንቲ እግዚኣብሔር ኢሉ እንተ ተዓገሠ ዝነኣድ ንሱ እዩ።

[20] እናበደልኩም መቕጻዕቲ እንተተዓገሥኩም እንታይ ናእዳ ኣለኩም? ሠናይ እናገበርኩም መከራ እንተተዓገሥኩም ግና ኣብ እግዚኣብሔር ዘንእደኩም እዙይ እዩ።

[21] ንስኻትኩምውን ነዙይ ኢኹም ዝተጸዋዕኹም፤ ክርስቶስ ድማ ኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ ምእንታኻትኩም መከራ ተቐበለ፤ ኣርኣያውን ኃደገልኩም።

[22] ንሱ ኃጢኣት ኣይገበረን፤ ሓሰትውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን።

[23] ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ኣይጸረፈን፤ መከራ እንተጽንዑ ሉ ኸዓ ነቲ ብቕንዕና ዝፈርድ እግዚኣብሔር ደኣ ነገሩ ኣኀሊፉ ሃበ እምበር ኣየፈራረኀን።

[24] ካብ ኃጢኣት ርኂቕና ብጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር ንሱ ባዕሉ ንኃጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ሰብነቱ ፆሮ። ብቝስሉ ኢኹም ዝኃወኹም።

[25] ከም ዝጠፍኡ ኣባጊዕ ኸርተት ትብሉ ነይርኩም፤ ሕዚ ግና ናብቲ ጓሳኹምን ሓላው ነፍስኹምን ተመሊስኩም ኣለኹም።

1 መልእኽቲ ጴጥሮስ — Chapters