2 መልእኽቲ ጴጥሮስ 1
[1] ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልጋልን ሓዋርያን ካብ ዝኾነ ስምዖን ጴጥሮስ ናብቶም ብናይ እግዚኣብሔርን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ጽድቂ ኸማና ኽብርቲ እምነት ዝተቐበሉ
[2] በቲ ንእግዚኣብሔርን ንጐይታና ኢየሱስን ብዘለኩም ፍልጠት ጸጋን ሰላምን ይብዝኀልኩም።
[3] ነቲ ናብ ክብሩን ሕያዋይነቱን ዝጸውዐና ንእኡ ብምፍላጥና መለኮታዊ ኃይሉ ንሕይወትን ንመንፈሳውነትን ዘድልየና ዂሉ ሂቡና ኣሎ።
[4] በዙይውን እታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ረኸብና፤ በዛ ተስፋዚኣ ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ኽፉእ ትምኒት ዘስዕቦ ጥፍኣት ኣምሊጥኩም ተኻፈልቲ መለኮታዊ ባህርዩ ኾንኩም።
[5] ስለዙይ ብዂሉ ትግሃት ኣብ እምነትኩም ሕያዋይነት ወስኹ፤ ኣብ ሕያዋይነትውን ፍልጠት
[6] ኣብ ፍልጠት ከዓ ርእስኻ ምቊጽጻር ኣብ ርእስኻ ምቊጽጻር ትዕግሥቲ ኣብ ትዕግሥቲ ንእግዚኣብሔር ምምላኽ
[7] ኣብ ንእግዚኣብሔር ኣብ ምምላኽ ኅውነት ኣብ ኅውነት ድማ ፍቕሪ ወስኹ።
[8] እዝ ነገር እዙይ እንተልዩኩም እናዓበየውን እንተ ኸይዱ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከፍልጠኩም እዩ። ሃካያትን ዘየፍርዩውን ኣይትኾኑን ኢኹም።
[9] እዝ ነገር እዙይ ዘይብሉ ግና ኣርሒቑ ዘይርኢ ዕዉር ሰብ እዩ፤ ካብቲ ናይ ቀደም ኃጢኣቱ ኸም ዝነጽሀውን ዝረስዐ እዩ።
[10] ስለዙይ ኣቱም ኣኅዋትና! ንጽውዓኹምን ምኅራይኩምን ክተጽንዕዎ ኣብሊጽኩም ተጋደሉ። እዙይ እንተ ጌርኩም ከቶ ኣይትወድቁን ኢኹም።
[11] በዙይ ድማ ናብቲ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዓለማዊ መንግሥቲ ምእታው ብምልኣት ክወሃበኩም እዩ።
[12] ስለዙይ እንተ ፈለጥኩምዎ እኳ ኣብቲ ዘለኩም ሓቂውን ጸኒዕኹም እንተሊኹም ነዝ ነገር እዙይ ኲሉ ጊዜ ኸዘኻኽረኩም ወሲነ ኣለኹ።
[13] ብሕይወት ክሳዕ ዘለኹ እናዘኻኸርኩ ኸነቓቕሐኩም ቅኑዕ ኾይኑ ይርኣየኒ ኣሎ።
[14] ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገለጸለይ ነዝ ሰብነት እዙይ ገዲፈ ዝኸደሉ እዋን ቐሪቡ ኸም ዘሎ ፈሊጠ ኣለኹ።
[15] ኣነ ምስ ሞትኩውን ነዝ ነገራት እዙይ ኽትዝክርዎ ምእንቲ ኽትክእሉ እፅዕር ኣለኹ።
[16] ብዛዕባ ኃይሊ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ተመሊሱ ኸም ዝመጽእን ክንነግረኩም እንተለና ሰባት ብተንኰል ዝተጣበብዎ ተረት ዘይኮነስ ነቲ ብዓይንና ዝረአናዮ ግርማ መሳኻኽር ስለ ዝኾንና እዩ።
[17] እቲ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ዝፈትዎ ወደይ እዙይ እዩ ዝብል ድምፂ ኻብቲ ልዑ ል ግርማ ምስ መጸ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦ ኽብርን ግርማን ተቐበለ።
[18] ኣብቲ ቕዱስ እምባ ምስኡ እንተለና ኸዓ እዝ ድምፂ እዙይ ካብ ሰማይ ክመጽእ እንተሎ ንሕና ባዕልትና ሰሚዕናዮ ኢና።
[19] ነዙይ ብዝበለጸ ዘረጋግጸልና ቓል ነቢያትውን ኣለና። ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ ኮኸብ ጽባሕ ኸዓ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዝወፅእ ከምቲ ኣብ ጸልማት ዘብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተስተብሂልኩምሉ ሠናይ ትገብሩ ኣለኹም።
[20] ቅድሚ ዂሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ትንቢት ሓደኳ ብናይ ርእሱ ኣተሓሳስባ ኽትርጉሞ ኸም ዘይኽእል ፍለጡ።
[21] ትንቢት ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ እግዚኣብሔር ዝተዛረብዎ እምበር ፈጺሙ ብድልየት ሰብ ዝመጸ ኣይኮነን።