1 መልእኽቲ ጴጥሮስ 4
[1] እምበኣር ክርስቶስ ብሥጋኡ መከራ ኻብ ተቐበለ ንስኻትኩምውን በዚ ሓሳብዙይ ጠንኪርኩም ተዓጠቑ፤ ብሥጋኡ መከራ ዝተቐበለ ሰብ ኃጢኣት ኣይገብርን እዩሞ።
[2] ደጊም በቲ ኣብ ምድሪ ኽትነብሩሉ ዝተውሃበኩም ተሪፉ ዘሎ ሕይወትኩም ፍቓድ እግዚኣብሔር እምበር ትምኒት ሥጋኹም ኣይትገብሩን ኢኹም።
[3] እምበኣር እቲ ብዕብዳን ብፍትወት ሥጋ ብስኽራን ብጓይላ ዓቐን ብዘይብሉ መስተ ኣጸያፊ ብዝኾነ ኣምልኾ ጣዖት ክትነብሩ እንተለኹም ከምቲ ኣሕዛብ ዝደልይዎ እናገበርኩም ዘኅለፍኩምዎ ዘመን የኣክል።
[4] ናብቲ ዘጸይፍ ርኽሰት ምስኣቶም ስለ ዘይጐየኹም ይግረሙ፤ ንኣኻትኩም ከዓ ይጸርፉኹም ኣለዉ።
[5] እዚኣቶም ነቲ ንሕያዋንን ንምዉታንን ክፈርድ ተዳልዩ ዘሎ መልሲ ኽህቡሉ እዮም።
[6] እቶም ሕዚ ሞይቶም ዘለዉ ከም ሰብ ብሥጋ እንተ ተፈርዱ እኳ ብመንፈስ ግና ኸም እግዚኣብሔር ብሕይወት ምእንቲ ኽነብሩ ወንጌል ተሰብከሎም።
[7] ናይ ኲሉ ነገር መወዳእታ ቐሪቡ እዩሞ ብትግሃት ምእንቲ ኽትጽልዩ ርእስኹም እትመልኩን ጥንቁቓትን ኩኑ።
[8] ፍቕሪ ብዙኅ ኃጢኣት ትኸድን እያሞ ቅድሚ ኹሉ ንስንሳትኩም ብምሉእ ልቢ ተፋቐሩ።
[9] ብዘይ ምንጽርጻር ተቐበልቲ ጋሻ ኹኑ።
[10] ናይቲ ብዙኅ ዝዓይነቱ ጸጋ እግዚኣብሔር እሙናት ኣገልገልቲ ብምዃን ነፍስ ወከፍኩም ከምቲ ዝተቐበልኩምዎ ውህብቶ ጸጋ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል።
[11] እቲ ዝምህር ቃል እግዚኣብሔር ይምሃር፤ እቲ ዘገልግል በቲ እግዚኣብሔር ዝሃቦ ኃይሊ የገልግል፤ እዙይ ከዓ እግዚኣብሔር ብኢየሱስ ክርስቶስ ብዂሉ ነገር ምእንቲ ኽምስገን እዩ። ክብርን ሥልጣንን ንዘለዓለመ ዓለም ንእኡ ይኹኖ! ኣሜን።
[12] ኣቱም ፍቑራተይ! ከም ሓዊ ዘቃጽል ፈተና ኽረኽበኩም እንተሎ ሓድሽ ነገር ከም ዝበጽሐኩም ኴንኩም ኣይትገረሙ።
[13] ናይ ክርስቶስ መከራ ኽትካፈሉ እንተለኹም ተሓጐሱ፤ ንሱ ብግርማ ኽግለጽ እንተሎ ኬርና ኽትሕጐሱ ኢኹም።
[14] ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸረፍኩም እቲ ኽቡር መንፈስ እግዚኣብሔር ኣባኻትኩም ስለ ዝኃድር ብፁኣን ኢኹም።
[15] ሓደኳ ኻባኻትኩም ቀታሊ ወይ ሰራቒ ወይ ገባር ክፉእ ወይ ኣብ ነገር ካልኦት ኢዱ ዘእቱ ብምዃኑ መከራ ዝቕበል ኣየሃሉኹም።
[16] ክርስቲያን ብምዃኑ እንተ ተሳቐየ ግና ስለ እዝ ስም እዙይ ንእግዚኣብሔር የመስግን እምበር ኣይኅፈር።
[17] ጊዜ ፍርዲ ቐሪቡ እዩ፤ ዝጅምሮ ኸዓ በቶም ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር ዘለዉ እዩ። ብኣና ዝጅምር ካብ ኮነኸ መወዳእታ እቶም ንወንጌል እግዚኣብሔር ዘይእዘዙ ደኣ እንታይ ክኸውን እዩ?
[18] እቲ ጻድቕ ብጭንቂ ዝድኅን ካብ ኮነ እቲ ዓማፂን ኃጥእን ድኣ ከመይ ክኸውን እዩ?
[19] እምበኣር እቶም ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር መከራ ዝቕበሉ ሠናይ እናገበሩ ንነፍሶም ነቲ እሙን ፈጣሪ የማኅፅኑ።