Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:36

[1] -

[2] ከምኡውን ኣትን ኣንስቲ! ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ነቲ ቃል እግዚኣብሔር ዘይኣምኑ ሰብኡት እንተልዮም ድማ ከም እተኽብራኦምን ብንጽሕና ኸም እትነብራን ምስ ረኣዩ ብዘረባ ዘይኮነስ ብሕይወት ኣንስቶም ክምለሱ ይኽእሉ እዮም።

[3] ጽባቐኽን ኣፍኣዊ ብዝኾነ ብሥርሓት ፀጕርን ወርቂ ብምእሳርን ብኽቡር ክዳውንትን ኣይኹን።

[4] ጽባቐኽንስ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣብሊጹ ክቡርን ዘይጠፍእን ብልውህናን ብህድኣትን ዝተሸለመ መንፈስ ኣብ ልቢ ተሠዊሩ ዘሎ ናይ ውሽጢ ሰብነት ይኹን።

[5] ቀደምውን ተስፋአን ኣብ እግዚኣብሔር ዝገበራ ቕዱሳት ኣንስቲ ብኸምዙይ እየን ዝተሸለማ፤ ንሰብኡተንውን ይእዘዛ ነበራ።

[6] ሣራ ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት ትእዘዞ ኸም ዝነበረት ንስኻትክንውን ከምኡ ጽቡቕ እንተገበርክን ዝኾነ ነገርውን እንተ ዘየፍሪሑክን ደቃ ኢኽን።

[7] ከምኡውን ኣቱም ሰብኡት ምስ ኣንስትኹም ብምስትውዓል ንበሩ። ንሳተን ካባኻትኩም ድኽም ዝበላ እየን፤ ንጸጋ ሕይወት ድማ መዋርስትኹም እየን እሞ ኣኽብርወን። ሽዑ ጸሎትኩም ከንቱ ኣይኸውንን።

[8] እምበኣር ተሣኒኹም ንበሩ፤ ተራኃራኅቲ ፍቕሪ ኣኅዋት ዘለዎም ለዋሃትን ትሑታትን ኩኑ።

[9] ክፉእ ክንዲ ኽፉእ ጸርፊ ኽንዲ ጸርፊ ኣይትመልሱ፤ ካብ እግዚኣብሔር በረኸት ምእንቲ ኽትወርሱ መርቑ፤ ነዙይ ኢኹም ዝተጸዋዕኹም እሞ።

[10] ከምቲ ቕዱስ መጽሓፍ ዝብሎ፦ እቲ ሕይወት ዝፈቱ ሠናያት መዓልትታት ከዓ ኽርኢ ዝደሊ ልሳኑ ኻብ ክፉእ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል።

[11] ካብ ክፉእ ይርኃቅ፤ ሠናይ ከዓ ይግበር፤ ንሰላም ይድለያን ይስዓባን።

[12] ኣዕይንቲ እግዚኣብሔር ናብ ጻድቃን እየን ዝርእያ፤ ኣእዛኑውን ንጸሎቶም እየን ዝሰምዓ፤ ንገበርቲ እከይ ግና እግዚኣብሔር ገጽ ቊጥዓኡ የርእዮም።

[13] ሠናይ ንምግባር ትተግሁ እንተድኣ ዄንኩምከ መን እዩ ኽጐድአኩም ዝኽእል?

[14] ምእንቲ ጽድቂ መከራ እንተ ተቐበልኩም ግና ብፁኣን ኢኹም። ዘፈራርኀኩም እንተሃለወውን ኣይትፍርኁ፤ ኣይትጨነቑውን።

[15] ንክርስቶስ ግና ብልብኹም ከም ጐይታ ቐድስዎ። ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ንዝጥይቐኩም ኲሉ ምላሽ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ ኲልሻዕ ድልዋት ኩኑ። ግና ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ግበርዎ።

[16] እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዘለኩም ሠናይ ኣካይዳኹም ዝጸርፉ በቲ ዝጸርፍዎ ምእንቲ ኽኃፍሩ ንጹሕ ሕሊና የሃሉኹም።

[17] እግዚኣብሔር እንተፈቒዱዎስ ካብ ክፉእ እናገበርኩም ሠናይ እናገበርኩም መከራ ምቕባል ይሐይሽ እዩ።

[18] ክርስቶስውን ናብ እግዚኣብሔር ምእንቲ ኸቕርበና ጻድቅ እንተሎ ምእንቲ ኃጥኣን ሓንሳእ ንሓዋሩ መከራ ተቐቢሉ ሞተ። ብሥጋ ሞተ፤ ብመንፈስ ግና ሕያው ኮነ።

[19] በዝ መንፈስ እዙይውን ከይዱ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ነፍሳት ድኅነት ሰበኸሎም።

[20] እዚኣቶም እቶም ቀደም ብዘመን ኖኅ እታ መርከብ ክትሥራሕ እንተላ እግዚኣብሔር ብትዕግሥቲ እናተጸበዮም እንተሎምእዛዝ ዝኣበይዎ እዮም። ኣብታ መርከብ ውሑዳትማለት ሸሞንተ ነፍሳት ብማይ ደኃና።

[21] ማይ ናይቲ ሕዚ ዘድኅነኩም ጥምቀት ምልክት እዩ፤ ጥምቀት ከዓ እቲ ብትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ብንጹሕ ሕሊና ናብ ኣምላኽ ዝቐርብ ልመና እዩ እምበር ናይ ሰብነት ርስሓት ዝሓጽብ ኣይኮነን።

[22] ንሱ ናብ ሰማይ ዓሪጉ ኣብ የማን እግዚኣብሔር ኣሎ፤ መላእኽትን ሥልጣናትን ኃይልታትውን ይግዝኡሉ ኣለዉ።

1 መልእኽቲ ጴጥሮስ — Chapters