1 መልእኽቲ ዮሓንስ 5
[1] ኢየሱስ መሢሕ ከም ዝኾነ ዝኣምን ኲሉ ካብ እግዚኣብሔር ዝተወልደ እዩ፤ እቲ ንወላዲ ዘፍቅር ኲሉ ኸዓ ነቲ ኻብኡ ዝተወልደውን የፍቅር እዩ።
[2] ንእግዚኣብሔር ብምፍቃርን ትእዛዛቱ ብምሕላውን ኢና ነቶም ደቂ እግዚኣብሔር ከም እነፍቅሮም እንፈልጥ።
[3] ንእግዚኣብሔር ምፍቃር ማለት ትእዛዛቱ ምሕላው ማለት እዩ፤ ትእዛዛቱውን ከበድቲ ኣይኮናን።
[4] ካብ እግዚኣብሔር ዝተወልደ ዂሉ ንዓለም ይሥዕራ። እታ ንዓለም እንሥዕረላ ኸዓ እምነትና እያ።
[5] ንዓለም ዝሥዕራኸ መን እዩ? እቲ ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሔር ከም ዝኾነ ዝኣምንዶ ኣይኮነን?
[6] እቲ ብማይን ብደምን ዝመጸ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ብማይን ብደምን እዩ እምበር ብማይ ጥራሕ ኣይመጸን። እቲ መንፈስ ከዓ ሓቂ ስለ ዝኾነ ንሱ እዩ ዝምስክር።
[7] እቶም ዝምስክሩ ሠለስተ እዮም።
[8] መንፈስ ማይ ደም ሠለስቲኦም ብምስክርነቶም ሓደ እዮም።
[9] ሰብ ዝህቦ ምስክር ንቕበል ኢና፤ እግዚኣብሔር ዝህቦ ምስክር ግና ኻብኡ የዓቢ እዩ፤ እቲ እግዚኣብሔር ዝህቦ ምስክርነት ከዓ ብዛዕባ ወዱ እዩ።
[10] ብወዲ እግዚኣብሔር ዝኣምን እቲ ምስክር ኣብ ልቡ ኣለዎ፤ እቲ ንእግዚኣብሔር ዘይኣምን ነቲ እግዚኣብሔር ብዛዕባ ወዱ ዝሃቦ ምስክርነት ስለ ዘይኣመነ ንእግዚኣብሔር ሓሳዊ ይገብሮ።
[11] ምስክርነቱ ኸዓ እዙይ እዩ፦ እግዚኣብሔር ናይ ዘለዓለም ሕይወት ሂቡና እዩ፤ እዛ ሕይወት እዚኣ ኸዓ ኣብ ወዱ ኣላ።
[12] ወዲ እግዚኣብሔር ዘለዎ ሰብ ሕይወት ኣላቶ፤ እቲ ወዲ እግዚኣብሔር ኣብኡ ዘይብሉ ግና ሕይወት የብሉን።
[13] ብስም ወዲ እግዚኣብሔር ንእትኣምኑ ንኣኻትኩም ናይ ዘለዓለም ሕይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ እዙይ ጽሒፈልኩም ኣለኹ።
[14] ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ዝኾነ ነገር እንተ ለመንናዮ ከም ዝሰምዐና ስለ እንፈልጥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ትብዓት ኣለና።
[15] ዝለመንናዮ ዂሉ ኸም ዝሰምዐና ኻብ ፈለጥና ዝለመንናዮ ልመና ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ ንፈልጥ ኢና።
[16] ሓደ ንኃዉ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ኃጢኣት ክገብር እንተ ረኣዮ ይጸልየሉ፤ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ኃጢኣት እንተኾይኑ እግዚኣብሔር ከዓ ሕይወት ክህቦ እዩ። ናብ ሞት ዘብጽሕ ኃጢኣት ኣሎ፤ ይጸልየሉ ዝብል ዘለኹ ብዛዕባ እዙይ ኣይኮነን።
[17] ክፉእ ሥራሕ ዂሉ ኃጢኣት እዩ። እንተኾነ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ኃጢኣትውን ኣሎ።
[18] እቲ ኻብ እግዚኣብሔር ዝተወልደ ኃጢኣት ከም ዘይገብር ንፈልጥ ኢና። ወዲ እግዚኣብሔር ስለ ዝሕልዎ እቲ ሰይጣን ኣይነኽኦን።
[19] ንሕና ናይ እግዚኣብሔር ከም ዝኾንና ኲላ ዓለም ከዓ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እቲ ሰይጣን ከም ዘላ ንፈልጥ ኢና።
[20] ወዲ እግዚኣብሔር ከምዝመጸን ነቲ ብሓቂ ኣምላኽ ንዝኾነ ምእንቲ ኽንፈልጦ ኢሉ ምስትውዓል ከም ዝሃበና ንፈልጥ ኢና። ንሕና ብወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ብሓቂ ኣምላኽ ዝኾነ ኢና ዘለና። ንሱ እቲ ብሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለዓለም ሕይወትን እዩ።
[21] ኣቱም ደቀይ! ርእስኹም ካብ ጣዖታት ሓልዉ።