Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:42

[1] ኣቱም ደቀይ! እዝ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ ኃጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ ኢለ እየ። ሓደኳ ኃጢኣት ዝገበረ እንተሃልዩ ኣብ ቕድሚ ኣብ ጠበቓ ኣለና፤ ንሱውን እቲ ጻድቕ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።

[2] ንሱ ምእንቲ ኃጢኣትና ቤዛ ኾነ፤ ምእንቲ ኃጢኣት ኲሉ ዓለምውን እምበር ምእንቲ ኃጢኣትና ጥራሕ ኣይኮነን።

[3] ትእዛዛት እግዚኣብሔር እንተ ሓሊና ንእኡ ኸም እንፈልጦ በዙይ ኢና እነረጋግጽ።

[4] ኣነ እፈልጦ እየ ዝብል ንትእዛዛቱ ግና ዘይሕሉ ንሱ ሓሳዊ እዩ፤ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን።

[5] እቲ ንቓሉ ዝሕሉ ግና ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብኡ ፍጹም ይኸውን። ኣብ እግዚኣብሔር ከም ዘለና በዙይ ኢና እንፈልጥ።

[6] እቲ ብእግዚኣብሔር እነብር እየ ዝብል ከምቲ ኢየሱስ ዝነበሮ ኽነብር ይግባእ።

[7] ኣቱም ፍቑራተይ! እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረኩም ናይ ቀደም ትእዛዝ እምበር ሓድሽ ትእዛዝ ኣይኮነን ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ። እቲ ናይ ቀደም ትእዛዝ ከዓ እቲ ዝሰማዕኹምዎ ቓል እዩ።

[8] እንተኾነ ኣብ ክርስቶስን ኣባኻትኩምን ዝተርአየ ሓድሽ ትእዛዝ እጽሕፈልኩም ኣለኹ፤ ጸልማት ኃሊፉ ድሮ እኳ ብርሃን ሓቂ የብርህ ኣሎ።

[9] ኣብ ብርሃን ኣለኹ ዝብል ንኃዉ ግና ዝጸልእ ገና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ።

[10] እቲ ንኃዉ ዘፍቕር ኣብ ብርሃን እዩ ዝነብር። ኣብኡውን መዐንቀፊ የብሉን።

[11] እቲ ንኃዉ ዝጸልእ ግና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ፤ ኣብ ጸልማትውን ይነብር፤ ጸልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ ናበይ ከም ዝኸይድ ኣይፈልጥን እዩ።

[12] ደቀይ! ኃጢኣትኩም ምእንቲ ስም ክርስቶስ ተኃዲጉልኩም እዩ እሞ እጽሕፈልኩም ኣለኹ።

[13] ኣቱም ኣቦታት! ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ እጽሕፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ኣጕባዝ! ነቲ እኩይ ሥዒርኩምዎ ኢኹም እሞ እጽሕፈልኩም ኣለኹ።

[14] ኣቱም ቈልዑ ! ንኣብ ፈሊጥኩምዎ ኢኹምሞ ጽሒፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ኣቦታት! ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ እጽሕፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ኣጓብዝ! ብርቱዓት ስለ ዝኾንኩምን ቃል እግዚኣብሔር ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን ነቲ ክፉእውን ስለ ዝሠዓርኩምዎን ጽሒፈልኩም ኣለኹ።

[15] ንዓለም ወይ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ንዓለም ዝፈቱ ኣብኡ ፍቕሪ እግዚኣብሔር የብሉን።

[16] ኲሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ፍትወት ሥጋ ባህጊ ዓይኒ ናይ ናብራ ትምክሕትን ካብ ዓለም እዩ እምበር ካብ እግዚኣብሔር ኣይኮነን።

[17] ዓለምን እቲ ዂሉ ፍትወታን ኃላፋይ እዩ፤ ፍቓድ እግዚኣብሔር ዝገብር ግና ንዘለዓለም ይነብር።

[18] ደቀይ! እዚኣ እታ መወዳእታ ሰዓት እያ። ፀረ ክርስቶስ ከም ዝመጽእ ሰሚዕኹም ኣለኹም፤ ድሮውን ብዙኃት ተፃረርቲ ክርስቶስ ተሢኦም ኣለዉ፤ እዚኣ እታ ናይ መወዳእታ ሰዓት ምዃና ኸዓ በዙይ ኢና እንፈልጥ።

[19] ንሳቶም ካባና እዮም ወፂኦም፤ ግና ኻባና ኣይነበሩን። ካባና ነይሮም እንተ ዝኾኑ ምሳና ምነበሩ ነይሮም። ግና ኻባና ኸም ዘይኮኑ ምእንቲ ኽገሃድ ወፁ።

[20] ንስኻትኩም ግና ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢእኹም ኢኹም፤ ንዂሉውን ትፈልጥዎ ኢኹም።

[21] ነቲ ሓቂ ስለ እትፈልጥዎን ኲሉ ሓሰት ካብቲ ሓቂ ኸምዘይኮነ ስለ እትፈልጡን እየ እምበር ስለ ዘይትፈልጥዎ ኣይኮንኩን ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ።

[22] እቲ ንኢየሱስ መሢሕ ምዃኑ ዝኽሕድ እንተዘይኮይኑኸ መን እዩ እቲ ሓሳዊ? እቲ ንኣብን ንወልድን ዝኽሕድ ፀረ ክርስቶስ እዩ።

[23] እቲ ንወልድ ዝኽሕድ እግዚኣብሔር ኣብ ኣብኡ የለን፤ እቲ ንወልድ ዝኣምን ግና እግዚኣብሔር ኣብ ኣብኡ ኣሎ።

[24] እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኹምዎ ኣባኻትኩም ይንበር። እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኹምዎ ኣባኻትኩም ዝነብር እንተኾይኑ ንስኻትኩም ኣብ ወልድን ኣብ ኣቦን ክትነብሩ ኢኹም።

[25] እዙይ ከዓ እቲ ክርስቶስ ዘተስፈወና ተስፋ ናይ ዘለዓለም ሕይወት እዩ።

[26] ብዛዕባ እቶም ዘስሕቱኹም እየ እዙይ ዝጸሓፍኩልኩም።

[27] ንስኻትኩም ግና እቲ ኻብ ክርስቶስ ዝተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ኣባኻትኩም ይነብር እዩሞ ሓደኳ ኽምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ። መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ዂሉ ኽምህረኩም እዩ ትምህርቱ ኸዓ ሓቂ እዩ፤ ሓሰት ኣይኮነን። እምበኣር ከምቲ ዝመሃረኩም ኣብ ክርስቶስ ጸኒዕኹም ንበሩ።

[28] እምበኣር ደቀይ! ንሱ ኽግለጽ እንተሎ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ በታ ዝመጸላ መዓልትውን ኣብ ቕድሚኡ ምእንቲ ኸይንኃፍርስ ኣብ ክርስቶስ ንበሩ።

[29] ንሱ ጻድቕ ምዃኑ እንተድኣ ትፈልጡ ኾይንኩም ጽድቂ ዝገብር ኲሉ ኻብ እግዚኣብሔር ከም ዝተወልደ ፍለጡ።

1 መልእኽቲ ዮሓንስ — Chapters