Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:49

[1] ውሉድ እግዚኣብሔር ተብሂልና ምእንቲ ኽንጽዋዕ እግዚኣብሔር ኣብ ከመይ ዝበለ ፍቕሪ ኸም ዝሃበና እስኪ ርአዩ! ውሉድ እግዚኣብሔርውን ኢና። ዓለም ንእኡ ስለ ዘይፈለጠቶ እያ ንኣናውን ዘይፈለጠትና።

[2] ኣቱም ፍቑራተይ! ሕዚ ውሉድ እግዚኣብሔር ኢና፤ እንታይ ከም እንኸውን ከዓ ገና ኣይተገልጸን። ክርስቶስ እንትግለጽ ግና፤ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ ንእኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኢና።

[3] ኣብ ክርስቶስ ተስፋ ዝገብር ኲሉ ኸምቲ ንሱ ንጹህ ዝኾነ ንባዕሉ የንጽህ።

[4] ኃጢኣት ዝገብር ኲሉ ሕጊ እግዚኣብሔር ይጥሕስ፤ ኃጢኣት ድማ ምጥሓስ ሕጊ እግዚኣብሔር እዩሞ።

[5] ክርስቶስ ንኃጢኣት ከርኅቕ ኢሉ ኸም ዝተገልጸ ትፈልጡ ኢኹም፤ ኣብኡውን ኃጢኣት የለን።

[6] እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝነብር ኲሉ ኃጢኣት ኣይገብርን እዩ። ኃጢኣት ዝገብር ግና ንክርስቶስ ኣይረኣዮን፤ ኣይፈለጦንውን።

[7] ደቀይ! ሓደኳ ኣየስሕትኩም። ከምቲ ክርስቶስ ጻድቕ ዝኾነ እቲ ጽድቂ ዝገብር ከዓ ጻድቕ እዩ።

[8] ካብ መጀመርታ ጀሚሩ ኃጢኣት ዝገብር ዘሎ ዲያብሎስ እዩ እሞ ኃጢኣት ዝገብር ካብ ዲያብሎስ እዩ። ወዲ እግዚኣብሔር ከዓ ግብሪ ዲያብሎስ ምእንቲ ኸፍርስ ኢሉ እዩ ዝተገልጸ።

[9] ካብ እግዚኣብሔር ዝተወልደ ባህርይ እግዚኣብሔር ኣብኡ ስለ ዘሎ ኃጢኣት ኣይገብርን እዩ። ካብ እግዚኣብሔር ስለ ዝተወለደውን ኃጢኣት ክገብር ኣይኽእልን እዩ።

[10] ጽድቂ ዘይገብርን ንኃዉ ዘየፍቅርን ካብ እግዚኣብሔር ኣይኮነን። ደቂ እግዚኣብሔርን ደቂ ዲያብሎስን በዙይ እዮም ዝፍለጡ።

[11] እታ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኹምዋ መልእኽቲ ንስንሳትና ንፋቐር እትብል እያ።

[12] ከምቲ ኻብ ሰይጣን ወገን ዝነበረ ንኃዉ ኸዓ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን። ስለ ምንታይከ እዩ ዝቐተሎ? ግብሩ ኽፉእ ግብሪ ኃዉ ግና ሠናይ ስለ ዝነበረ እዩ።

[13] ኣኅዋተይ! ዓለም እንተ ጸልአትኩም ኣይትገረሙ።

[14] ንሕና ነኅዋትና ነፍቅሮም ስለ ዝኾንና ካብ ሞት ናብ ሕይወት ከም ዝተሳገርና ንፈልጥ ኢና። እቲ ኃዉ ዘየፍቅር ግና ኣብ ጽላል ሞት እዩ ዝነብር።

[15] ንኃዉ ዝጸልእ ዂሉ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ዝኾነ ዂሉ ድማ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ከም ዘይብሉ ትፈልጡ ኢኹም።

[16] ክርስቶስ ንሕይወቱ ቤዛና ስለ ዘኅለፈ ንፍቕሪ በዙይ ኢና እንፈልጣ። ንሕናውን ምእንቲ ኣኅዋትና ሕይወትና ቤዛ ኽነኅልፍ ይግብአና እዩ።

[17] ግና ዝኾነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ኃዉ ተሸጊሩ እንተሎ እናረኣዮ እንተ ዘይራህረሀሉ ከመይ ኢሉ ደኣ ንእግዚኣብሔር አፍቅር እየ ኽብል ይኽእል?

[18] ኣቱም ደቀይ! ብግብርን ብሓቅን እምበር ብቓል ወይ ብልሳን ጥራህ ኣይንፋቐር።

[19] -

[20] ካብ ሓቂ ወገን ምዃንና ኸዓ በዙይ ክንፈልጥ ኢና። ሕሊናና እንተ ወቐሰና ድማ እግዚኣብሔር ካብ ኲሉ ዝዓብን ኲሉ ዝፈልጥን ስለ ዝኾነ ንልብና ኣብ ቕድሚኡ ኽነህድኦ ኢና።

[21] ኣቱም ፍቑራተይ! ልብና እንተ ዘይወቐሰና ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ትብዓት ኣለና።

[22] ትእዛዛቱ እንሕሉን ንእኡ ዘሐጉሶ እንገብርን ስለ ዝኾንና ድማ ነቲ እንልምኖ ኹሉ ኻብኡ ኽንቕበል ኢና።

[23] ትእዛዙ ድማ ከምቲ ንሱ ዝኣዘዘና ጌርና ብስም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንኣምንን ንስንሳትናውን ክንፋቐር እዩ።

[24] እቲ ትእዛዛት እግዚኣብሔር ዝሕሉ እግዚኣብሔር ኣብኡ ይነብር። ንሱውን ኣብ እግዚኣብሔር ይነብር። እግዚኣብሔር ኣባና ኸም ዝነብር ከዓ በቲ ዝሃበና መንፈስ ቅዱስ ኢና እንፈልጥ።

1 መልእኽቲ ዮሓንስ — Chapters