1 መልእኽቲ ዮሓንስ 4
[1] ኣቱም ፍቑራተይ! ብዙኃት ሓሰውቲ ነቢያት ኣብ ዓለም ተልዒሎም ኣለዉ እሞ እቶም መናፍስቲ ኻብ እግዚኣብሔር እንተ ኾይኖም መርምሩ እምበር ንዂሉ መንፈስ ኣይትእመንዎ።
[2] ንመንፈስ እግዚኣብሔር በዙይ ኢኩም እትፈልጥዎ፦ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ብሥጋ ኸም ዝተገለጸ ዝኣምን መንፈስ ኲሉ ካብ እግዚኣብሔር እዩ።
[3] ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ኸም ዝመጸ ዘይኣምን መንፈስ ኲሉ ግና ካብ እግዚኣብሔር ኣይኮነን። እዙይ ከዓ እቲ ኸም ዝመጽእ ሰሚዕኹምዎ ዝነበርኩም ናይ ፀረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ። ሕዚውን ድሮ ኣብ ዓለም ኣሎ።
[4] ኣቱም ደቀይ! ንስኻትኩም ካብ እግዚኣብሔር ኢኹም እሞ ነቶም ሓሰውቲ ነቢያት ሥዒርኩምዎም ኢኹም። ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ መንፈስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ መንፈስ የመና ዓብዪ እዩሞ።
[5] ንሳቶም ካብ ዓለም እዮም፤ ከም ኣዘራርባ ዓለም ከዓ ይዛረቡ ኣለዉ። ዓለምውን ትሰምዖም ኣላ።
[6] ንሕና ግና ኻብ እግዚኣብሔር ኢና፤ ንእግዚኣብሔር ዝፈልጥ ይሰምዐና፤ እቲ ካብ እግዚኣብሔር ዘይኮነ ግና ኣይሰምዐናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ሓሰትን ከዓ በዙይ ኢና እንፈልጦ።
[7] ኣቱም ፍቑራተይ! ፍቕሪ ኻብ እግዚኣብሔር እያ እሞ ንስንሳትና ንፋቐር። ዘፍቅር ኲሉ ካብ እግዚኣብሔር ዝተወልደ እዩ፤ ንእግዚኣብሔርውን ይፈልጦ እዩ።
[8] እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩሞ እቲ ዘየፍቅር ንእግዚኣብሔር ኣይፈልጦን።
[9] እግዚኣብሔር ብወዱ ምእንቲ ኽንነብር ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ በዙይ እዩ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብ ማእኸልና ዝተገልጸ።
[10] ፍቕሪ እዙይ እዩ፤ ንሕና ንእግዚኣብሔር ስለ ዘፍቀርናዮ ዘይኮነስ እግዚኣብሔር ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና ንኃጢኣትና ቤዛ ክኸውን ንወዱ ምስዳዱ እዩ።
[11] ኣቱም ኣኅዋተይ! እግዚኣብሔር ከምዙይ ገይሩ ካብ ኣፍቀረና ንሕናውን ንስንሳትና ኽንፋቐር ይግብአና እዩ።
[12] ንእግዚኣብሔር ዝረኣዮ ሓደኳ የለን። ንስንሳትና እንተ ተፋቒርና ግና እግዚኣብሔር ኣባና ይነብር፤ ፍቕሩውን ኣባና ፍጹም ይኸውን።
[13] እግዚኣብሔር ካብ መንፈሱ ስለ ዝሃበና ንሕና ኣብኡ ንሱውን ኣባና ኸም ዝነብር ንፈልጥ ኢና።
[14] እግዚኣብሔር ኣብ ንወዱ መድኃኒት ዓለም ክኸውን ከም ዝለኣኾ ረአና፤ ንምስክርውን ኣለና።
[15] ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሔር ምዃኑ ዝኣምን ሰብ ኲሉ እግዚኣብሔር ኣብኡ ይነብር፤ ንሱውን ኣብ እግዚኣብሔር ይነብር።
[16] ንሕናውን ነታ እግዚኣብሔር ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣለና። እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ፤ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዝነብር ከዓ ኣብ እግዚኣብሔር ይነብር፤ እግዚኣብሔርውን ኣብኡ ይነብር።
[17] ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኸምቲ ኢየሱስ ዝነብሮ ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ንነብር እንተ ኾይንና ፍቕርናውን ፍጹም እንተ ኾይኑ ብመወዳእታ መዓልቲ ፍርዲ ኣብ ቅድሚኡ ትብዓት ክኾነልና እዩ።
[18] እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርኃት ኣውፂኣ ደኣ ትድርብያ እምበር ኣብ ፍቕርስ ፍርኃት የለን። ፍርኃት ምስ መቕጻዕቲ ዝተተኃኃዘት ስለ ዝኾነት እቲ ዝፈርኅ ሰብ ፍቕሩ ፍጹም ኣይኮነን።
[19] እግዚኣብሔር ኣቐዲሙ ስለ ዘፍቀረና ንሕናውን ነፍቅሮ ኢና።
[20] ነቲ ዝረኣዮ ኃዉ ዘየፍቀረስ ነቲ ዘይረኣዮ እግዚኣብሔር ከፍቅር ኣይከኣሎን እዩ እሞ ንኃዉ እናጸልአ ንእግዚኣብሔር አፍቅር እየ ዝብል እንተልዩ ንሱ ሓሳዊ እዩ።
[21] እቲ ኻብኡ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ እቲ ንእግዚኣብሔር ዘፍቅር ንኃዉ ድማ የፍቅር ዝብል እዩ።