Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 2:17

[1] ካብ መራሕ ቤተ ክርስቲያን ናብታ ኅርይቲ እመቤትንናብቶም ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮም ደቃን ኣነ በይነይ ዘይኮንኩስ እቶም ነታ ሓቂ ዝፈልጡዋ ዂላቶም ዘፍቅርዎም፤

[2] እንፈትዎም ድማ ስለ እቲ ኣባና ዘሎ ንዘለዓለም ከዓ ምሳና ዝነብር ሓቂ ኢልና ኢና።

[3] ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስንጸጋን ምሕረትን ሰላምን ብሓቅን ብፍቕርን ምሳና ክኸውን እዩ።

[4] ካብ ደቅኺከምቲ ኻብ እግዚኣብሔር ኣብ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ ገይሮም በቲ ሓቂ ዝነብሩ ስለ ዝረኸብኩ ብዙኅ ተሓጕሰ ኣለኹ።

[5] ሕዚውን እመቤት! ሓድሽ ትእዛዝ ዘይኮነስእቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ትእዛዝ እየ ዝጽሕፈልኪ ዘለኹ፤ ንሱውን ንስንሳትና ኽንፋቐር እልምነኪ ኣለኹ።

[6] ፍቕሪ ማለት ትእዛዛት እግዚኣብሔር እናፈጸምካ ምንባር ማለት እዩ። ከምቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኹምዎእቲ ትእዛዝ ብፍቕሪ ንበሩ ዝብል እዩ።

[7] ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ብሥጋ ኸም ዝመጸ ዘይኣምኑ ብዙኃት መስሐትቲ ኣብ ዓለም ተልዒሎም ኣለዉ። ከምዚኣቶም ዝበለ መስሓትን ፀረ ክርስቶስን እዩ።

[8] ንስኻትኩም ግና ምሉእ ዓስቢ ኽትቅበሉ ትግሁ እምበር ነቲ ዝፀዓርኩምሉ ኸይተጥፍእዎ ተጠንቀቑ።

[9] እቲ ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ ጸኒዑ ዘይነብርን ካብኡ ዝርሕቕን እግዚኣብሔር ኣብኡ የለን። እቲ ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ ጸኒዑ ዝነብር ግና ኣብን ወልድን ኣብኡ ኣለዉ።

[10] ነዝ ትምህርቲ እዙይ እንተይኃዘ ናባኻትኩም ንዝመጽእ ኣብ ገዛኹም ኣይትቀበልዎ፤ ሰላምውን ኣይትበልዎ።

[11] እቲ ሰላም ዝብሎ ብኽፉእ ግብሩ ይተሓባበሮ እዩሞ።

[12] ብወረቐትን ብቐለምን ደኣ ኽጽሕፎ ኣይደለኹን እምበር ናባኻትኩም ዝጽሕፎ ብዙኅ ነገር ነይሩኒ። ሓጐስና ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ግና ናባኻትኩም ክመጽእ እሞ ኣፍ ንኣፍ ክዛረበኩም ተስፋ እገብር።

[13] ደቂ እታ ኅርይቲ ሓፍትኺ ሰላም ይብሉኺ ኣለዉ።