1 መልእኽቲ ዮሓንስ 1
[1] ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ንሕና ብእዝንና ዝሰማዕናዮ በዒንትና ዝረአናዮ ዝጠመትናዮ በእዳውና ዝዳህሰስናዮ ቓል ሕይወት ንነግረኩም ኣለና።
[2] እዝ ሕይወት ተገለጸ፤ ንሕና ኸዓ ርኢናዮ ኢና፤ ንምስክርውን ኣለና። ምስ ኣብ ዝነበረ እቲ ንኣና ዝተገልጸ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንነግረኩም ኣለና።
[3] ምሳና ኅብረት ምእንቲ ኽህልወኩም ነቲ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን ንኣኻትኩም ንነግረኩም ኣለና። ኅብረትናውን ምስ ኣብን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን እዩ።
[4] እዝ እንጽሕፈልኩም ዘለና ሓጐስና ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ኢልና ኢና።
[5] እታ ኻብ ክርስቶስ ዝሰማዕናያ ንኣኻትኩምውን እንነግራ ዘለና መልእኽቲ፦ እግዚኣብሔር ብርሃን እዩ፤ ኣብኡውን ጸልማት ከቶ የለን እትብል እያ።
[6] ምስኡ ኅብረት ኣለና እናበልና ኣብ ጸልማት እንተ ነበርና ንሕሱ፤ በቲ ሓቂውን ኣይንነብርን ዘለና።
[7] ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና ንስንሳትና ኅብረት ኣለና፤ ደም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስውን ካብ ኲሉ ኃጢኣት የንጽሀና እዩ።
[8] ኃጢኣት የብልናን እንተ በልና ንርእስና ንጥብር እቲ ሓቂውን ኣባና የለን።
[9] ኃጢኣትና እንተ ተናዘዝና እግዚኣብሔር እሙንን ጻድቕን ስለ ዝኾነ ንኃጢኣትና ይቕረ ኽብለልና ካብ ኲሉ በደልናውን ከንጽሀና እዩ።
[10] ኃጢኣት ኣይገበርናን እንተ በልና ሓሳዊ ንገብሮ፤ ቃሉውን ኣባና የለን።