Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:09

[1] -

[2] ኣቱም ፍቑራተይ! እዛ ሕዚ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ ኻልአይቲ መልእኽተይ እያ። ብኽልቲአን እቲ ቐደም ብቕዱሳን ነቢያት ዝተነግረ ቓልን ብሓዋርያትኩም ዝረኸብኩምዎ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ትእዛዝን እናኣዘኻኸርኩ ቅኑዕ ሓሳባት ክህልወኩም እየ ዝፅዕር ዘለኹ።

[3] ኣብተን ዳኅረዎት መዓልትታት ብኽፉእ ፍትወት ሥጋኦም ዝመላለሱ መላገጽቲ ኸም ዝመጹ ቕድሚ ዂሉ እዙይ ፍለጡ።

[4] ንሳቶም ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ? ካብታ ኣቦታትና ዝሞቱላ መዓልቲ ኻብ መጀመርታ ፍጥረት ጀሚሩ ዂሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ ኽብሉ እዮም።

[5] ሰማያት ካብ ጥንቲ ብቓል እግዚኣብሔር ከም ዝተፈጥሩ ምድሪውን ካብ ማይን ብማይን ከም ዝጸንዐት ኮነ ኢሎም ይኽሕዱ።

[6] እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለምውን ብማይ ተውሒጣ ጠፍአት።

[7] እቶም ሕዚ ዘለዉ ሰማያትን ምድርን ግና እቶም ንግዚኣብሔር ዘይፈርኁ ሰባት ተፈሪድዎም ክሳዕ ዝጠፍኡ ብቓሉ ተሓልዮም ንሓዊ ተዓቝሮም ኣለዉ።

[8] ግና ኣቱም ፍቑራተይ! ብእግዚኣብሔር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃና እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትረስዑ ።

[9] ጐይታስ ኲላቶም ናብ ንስሓ ኽበጽሑ እምበር ሓደኳ ኽጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝኾነ ምእንታኻትኩም ይዕገሥ ኣሎ እምበር ከምቲ ንገሊኣቶም ዝድንጕ ዝመስሎም ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ።

[10] መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ኾይና ኽትመጽእ እያ፤ ሽዑ ሰማያት በዓብዪ ድምፂ ጥዋዕዋዕ እናበሉ ኽኃልፉ እዮም፤ ፍጥረት ሰማይውን ብሓዊ ነዲዱ ኽመክኽ እዩ፤ ምድርን ኲሉ ኣብኣ ዘሎ ነገርን ክነድድ እዩ።

[11] -

[12] እዝ ዂሉ ኸምዙይ ኢሉ ዝጠፍእ ካብ ኮነ እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ኢኹም ክትኮኑ ዝግብአኩም? ነታ እግዚኣብሔር ዝመጸላ መዓልቲ እናተጸበኹምን እናቀላጠፍኩምን ብቕዱስ ሕይወትን ብፍርኃት እግዚኣብሔርን ክትነብሩ እዩ ዝግብአኩም። እታ መዓልቲ እቲኣ ሰማያት ብሓዊ ኸም ዝጠፍኣ ፍጥረት ሰማይ ከዓ ብረስኒ ኸም ዝመክኽ ክትገብር እያ።

[13] ንሕና ግና ኸምቲ ዘተስፈወና ጽድቂ ዝነብረሉ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ንጽበ ኣለና።

[14] ስለዙይ ከዓ ኣቱም ፍቑራተይ! ነዙይ እናተጸበኹም ብዘይ ነውርን ብዘይ ነቐፋን ኴንኩም ብሰላም ምእንቲ ኽረኽበኩም ብትግሃት ንበሩ።

[15] ጐይታና ንኸድኅነኩም ኢሉ ዘርእዮ ዘሎ ትዕግሥቲ ሕሰቡ። እቲ ፍቁር ኃውና ጳውሎስውን በቲ ዝተውሃቦ ጥበብ ብዛዕባዙይ እዩ ዝጸሓፈልኩም።

[16] ንሱ ብዛዕባዝ ነገራትዙይ ክዛረብ እንተሎ ኣብ ኲለን መልእኽታቱ ኸምዙይ እዩ ዝገብር። ኣብኡ ንምርዳኡ ዘፀግም ብዙኅ ነገር ኣሎ። እቶም ደናቝርን ዘይጽኑዓትን ከዓ ከምቲ ነተን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝጠዋውይወን ንጥፍኣት ርእሶም ይጠዋውይዎ ኣለዉ።

[17] ንስኻትኩም ግና ኣቱም ፍቑራተይ! ነዙይ ኣቐዲምኩም ትፈልጥዎ ኢኹም። እምበኣር ብስሕተት እቶም ስዲ ዝኸዱ ዘለዉ ተስሒብኩም ካብቲ ጽኑዕ መሠረትኩም ከይትወድቁ ተጠንቀቑ።

[18] ብናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋን ንእኡ ብምፍላጥን ግና ዕበዩ። ንእኡ ሕዝን ንዘለዓለመ ዓለምን ክብሪ ይኹኖ! ኣሜን።

2 መልእኽቲ ጴጥሮስ — Chapters