Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:39

[1] እምበኣር ኣቱም ኣነ ዘፍቅረኩምን ዝናፍቐኩምን ሓጐሰይን ኣኽሊለይን ዝኾንኩም ፍቑራት ኣኅዋተይ! ኣብ ጐይታ ጸኒዕኹም ንበሩ።

[2] ንኤዎድያንን ንስንጤኪንን ብጐይታ ብሓደ ሓሳብ ምእንቲ ኽሰማምዓ እምዕደን ኣለኹ።

[3] እወ ንስኻውን ኣታ እሙን መሣርሕተይ ክትድግፈን እልምነካ ኣለኹ። ንሳተን ምስ ቀሌምንጦስን ምስቶም ስሞም ኣብ መጽሓፍ ሕይወት ዝተጽሓፈ ኻልኦት መሣርሕተይን ምሳይ ብኣገልግሎት ወንጌል ዝፀዓራ እየንሞ።

[4] ብጐይታ ዂልሻዕ ተሓጐሱ፤ ደጊመ ተሓጐሱ እብል ኣለኹ።

[5] ልውህናኹም ኣብ ኲሉ ሰብ ይፈለጥ። ጐይታ ዝመጸሉ ጊዜ ቐረባ እዩ።

[6] ድልየትኩም ብጸሎትን ልመናን ምስ ምስጋና ንእግዚኣብሔር ኣቕርቡ እምበር ብሓደኳ ኣይትጨነቑ።

[7] እቲ ኻብ ኲሉ ምስትውዓል ንላዕሊ ዝኾነ ሰላም እግዚኣብሔር ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ ኢየሱስ ገይሩ ኽሕልዎ እዩ።

[8] ብዝተረፈ ኣኅዋተይ! ሓቂ ዝኾነ ዂሉ ክቡር ዝኾነ ዂሉ ቅኑዕ ዝኾነ ዂሉ ንጹህ ዝኾነ ዂሉ ተፈታዊ ዝኾነ ዂሉ ቅኑዕ ዝኾነ ዂሉ ብሉጽ ወይ ምስጉን ዝኾነ ነገር እንተልዩ ብዛዕባዝ ነገራት እዙይ ሕሰቡ።

[9] ነቲ ኻባይ ዝተምሃርኩምዎን ዝተቐበልኩምዎን ዝሰማዕኹምዎን ኣባይውን ዝርአኹምዎን ነገር ኲሉ ግበርዎ፤ ኣምላኽ ሰላም ከዓ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ።

[10] ድኅሪ ነዊሕ ጊዜ መሊስኩም ክትሓስቡለይ ስለዝተለዓዓልኩም ብጐይታ ኣብዚኀ እሕጐስ ኣለኹ። ምችዊ እዋን ኣይረኸብኩምን እምበር ቅድምውን ተሓስቡለይ ነይርኩም ኢኹም።

[11] እዙይ ዝብል ዘለኹ ስለ ዝሰኣንኩ ኣይኮነን፤ ዘለኒ የኣኽለኒ ምባል ተምሂረ እየሞ።

[12] ትሕት ምባል እፈልጥ፤ ኅልፍን ትርፍን ዘለካ ምዃን እፈልጥ፤ ኣብ ጽጋብ ኮነ ኣብ ጥሜት ብሃብቲ ኾነ ብድኽነት ኣብ ኲሉን ብዂሉን ናይ ምንባር ምሥጢር ተምሂረ ኣለኹ።

[13] በቲ ኃይሊ ዝህበኒ ክርስቶስ ንዂሉ እኽእሎ እየ።

[14] ኣብቲ መከራይ ተኻፈልቲ ብምዃንኩም ግና ጽቡቕ ገበርኩም።

[15] ኣቱም ሰብ ፊልጵስዩስ መጀመርታ ንስብከት ወንጌል ካብ መቄዶንያ ኽወፅእ እንተለኹ እንትርፊ ንስኻትኩም ብምሃብ ይኹን ብምቕባል ካልእ ቤተ ክርስቲያን ምሳይ ከምዘይ ተሓባበረ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።

[16] ኣብ ተሰሎንቄ እንተለኹውን ሓደ ኽልተ ጊዜ ዘድልየኒ ረድኤት ሰዲድኩምለይ ኔርኩም ኢኹም።

[17] ኣነስ እቲ ፍረ ልግስናኹም ንኣኻትኩም ክበዝሐልኩም ኢለ እየ እምበር ውህብቶኹም ደልየ ኣይኮንኩን።

[18] ሕዚ ግና ዝኣክል እኳ ደኣ ኣኺሉ ዝተርፍ ኣለኒ፤ ነቲ ብኣፍሮዲጡ ዝለኣኽኩምዎ ምዑ ዝ ዝሽታኡ ንእግዚኣብሔር ዘሐጕስ ቅቡል መሥዋዕቲ ምስ ተቐበልኩ መሊኡለይ ኣሎ።

[19] ኣምላኸይ ከም መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ ኢየሱስ ገይሩ ድልየትኩም ኲሉ ኽመልአልኩም እዩ።

[20] ንኣምላኽናን ኣቦናን ንዘለዓለመ ዓለም ክብሪ ይኹኖ! ኣሜን።

[21] ንዂሎም ነቶም ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘለዉ ኣመንቲ ሰላም በልዎም። እቶም ምሳይ ዘለዉ ኣኅዋትውን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።

[22] ኲሎም ኣመንቲ ብኅልፊ እኳ እቶም ኣብ ቤተ መንግሥቲ ቄሣር ዘለዉ ዂሎም ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።

[23] ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን።

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊልጵስዩስ — Chapters