[1] ብፍቓድ እግዚኣብሔር ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓዋርያ ኻብ ዝኾነ ጳውሎስን ካብ ኃውና ጢሞቴዎስን ናብቶም ብክርስቶስ እሙናት ኣኅዋትና ዝኾኑ ኣብ ቈላስይስ ዘለዉ ኣመንቲ፦
[2] ካብ እግዚኣብሔር ኣቦና ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።
[3] -
[4] ብዛዕባ እታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘላትኩም እምነትን ንዂሎም ምእመናን ዘለኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕና ዂልሻዕ ምእንታኻትኩም እንትንጽሊ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነመስግኖ ኣለና፤
[5] እቲ ቓል ሓቂ ዝኾነ ወንጌልቕድሚ ሕዚ ናባኻትኩም ምስ መጸ ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝህቦ ተስፋ ሰሚዕኹም ኔርኩም። ስለዙይ እምነትኩምን ፍቕርኹምን ኣብቲ ኣብ ሰማይ ተዓቝሩልኩም ዘሎ ተስፋ ዝተመሥረተ እዩ።
[6] ከምቲ ወንጌል ኣብ ኲሉ ዓለም ፍረ የፍርን ይጋፋሕን ዘሎ ካብታ ጸጋ እግዚኣብሔር ዝሰማዕኹምላን ሓቂ ምዃና ዝተረዳእኹምላን መዓልቲ ጀሚሩ ኣባኻትኩምውን ፍረ የፍርን ይሰፍሕን ኣሎ።
[7] እቲ ፍቑር መሳርሕትና ኤጳፍራስ እዩ ነዙይ ዝመሃረኩም። ንሱ ኽንዳና እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ እዩ።
[8] ብዛዕባ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዘለኩም ፍቕሪውን ዝነገረና ንሱ እዩ።
[9] ስለዙይውን እዩ ንሕና ኻብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና ብዂሉ መንፈሳዊ ጥበብን ብምርዳእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝኾነ እትግንዘቡሉ ምሉእ ፍልጠት ምእንቲ ኽህልወኩም እናለመንና ብዛዕባኻትኩም ካብ ምጽላይ ኣቋሪጽና ኣይንፈልጥን።
[10] ብሠናይ ተግባር ኲሉ ፍረ እናፈረኹም ንእግዚኣብሔር ብምፍላጥ እናዓበኹም ንእኡ ብዝበቅዕ ሕይወት እናነበርኩም ንጐይታ ብዂሉ ምእንቲ ኸተሐጕስዎ ንጽሊ ኣለና።
[11] ብዙኅ ትዕግሥትን ጽንዓትን በቲ ኽቡር ኃይሉ ብዙኅ ትዕግሥትን ጽንዓትን ረኺብኩም ብዂሉ ኃይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ
[12] ነቲ ግደ ርስቲ ቕዱሳን ዝኾነ መንግሥቲ ብርሃን ዘብቅዐና ኣብ ብሓጐስ ከተመስግኑ ንጽሊ ኣለና።
[13] ንሱ ካብ ሥልጣን ጸልማት ኣውፅአና ናብታ መንግሥቲ ፍቑር ወዱውን ኣእተወና።
[14] ንሱ ቤዛና ኾይኑ ሕድገት ኃጢኣት ረኸብና።
[15] ክርስቶስ ናይቲ ዘይርአ እግዚኣብሔር ኣምሳልን ልዕሊ ዂሉ ፍጥረት ዝኾነ በዂርን እዩ።
[16] ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዂሉ ዝርአን ዘይርአን ኃይልታት ይኹኑ ገዛእቲ ኣሕሉቕ ይኹኑ በዓል ሥልጣናት ኲሎም ብእኡ ዝተፈጥሩ እዮምሞ ኲሉ ብእኡን ንእኡን እዩ ዝተፈጥረ።
[17] ንሱ ኸዓ ቕድሚ ዂሉ ፍጥረት ዝነበረ እዩ፤ ዂሉ ጸኒዑ ዝቖመውን ብእኡ እዩ።
[18] ንሱ ናይታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ርእሲ እዩ፤ ብዂሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ክኸውንስ ንሱ መጀመርታ እዩ፤ ካብ ሞት ብምትሣእውን በዂሪ እዩ።
[19] እዙይ ዝኾነ ናይ መለኮት ምልኣት ኣብ ወዱ ምእንቲ ኽነብር ናይ እግዚኣብሔር ኣብ ፍቓድ ስለ ዝኾነ እዩ።
[20] እግዚኣብሔር በቲ ወዱ ኣብ መስቀል ዘፍሰሶ ደም ገይሩ ሰላም ገበረ፤ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ኲሉ ኸዓ ምስ ባዕሉ ዓረቖ።
[21] ንስኻትኩም ቀደም ካብ እግዚኣብሔር ዝረሓቕኩም ብሓሳብኩምን ብኽፉእ ግብርኹምን ጸላእቱ ነበርኩም።
[22] ንሱ ግና ነውርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኸቑመኩም ብሞት ሥጋዊ ሰብነት ወዱ ገይሩ ዓረቐኩም።
[23] እዙይ ከዓ ተመሥሪትኩምን ደልዲልኩምን ካብቲ ብወንጌል ዝረኸብኩምዎ ተስፋ እንተይተነቓነቕኩም ኣብ እምነትኩም እንተ ጸኒዕኹም እዩ። እዙይ ከዓ እቲ ንስኻትኩም ዝሰማዕኹምዎ ኣነ ጳውሎስ ኣገልጋሊኡ ዝኾንኩ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ፍጥረት ኲሉ ዝተሰብከ ወንጌል እዩ።
[24] ሕዚ ኸዓ ምእንታኻትኩም መከራ ብምቕባለይ እሕጐስ አለኹ። ምእንቲ እታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ከዓ ነቲ ካብ ክርስቶስ መከራ ዝተረፈ ብሥጋይ እምልእ ኣለኹ።
[25] ከምቲ ብእግዚኣብሔር ዝተውሃበኒ ኃላፍነት ቃል እግዚኣብሔር ኣባኻትኩም ብምልኣት ምእንቲ ኽሰብኽ ናይዛ ቤተ ክርስቲያን እዚኣ ኣገልጋሊ ኾንኩ።
[26] እዝ ምሥጢር እዙይ ካብ ዘለዓለም ንውሉድ ወለዶ ተሠዊሩ ነበረ፤ ሕዚ ግና ንቕዱሳኑ ተገልጸ።
[27] እግዚኣብሔር ነዚኣቶም እዝ ምሥጢር እዙይ ኣብ መንጎ ኣሕዛብ ሃብቲ ኽብሩ ኽሳዕ ኽንደይ ዓብዪ ኸም ዝኾነ ኸፍልጦም መረጸ። እዙይ ከዓ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ናይ ክብሪ ተስፋ ዝኾነ ክርስቶስ እዩ።
[28] ንሕና ድማ ንነፍስ ወከፍ ሰብ ብክርስቶስ ፍጹም ገይርና ምእንቲ ኽነቕርቦ ብጥበብ ንዂሉ ሰብ እናመዓድና ንዂሉ ሰብውን እናመሃርና ንእኡ ንሰብኽ ኣለና።
[29] ኣነ ኸዓ እዝ ዕላማዙይ ምእንቲ ኽፍጽም በቲ ንሱ ኣብ ውሽጠይ ብኃይሊ ዝገብሮ ዘሎ ተግባራት ኲሉ እናተጋደልኩ እጽዕር ኣለኹ።