Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:34

[1] ብዝተረፈ ኣኅዋተይ! ብጐይታ ተሓጐሱ። ብዛዕባዝ ነገርዙይ ደጊመ ኽጽሕፈልኩም ኣይስልክየንን እዩ፤ ንኣኻትኩም ንጥቕምኹም እዩሞ።

[2] ካብቶም ከም ኣኽላባት ከለፍለፍ ዝብሉ ገበርቲ ኽፉእ ተጠንቀቑ፤ ካብቶም ተገረዙ እናበሉ ሥጋ ሰብ ዝቖርጹ ተጠንቀቑ።

[3] ንሕና ብመንፈስ ንእግዚኣብሔር እነምልኽ ብሥጋ ዝግበር ኣፍኣዊ ሥርዓት ዘይኮነስ ብኢየሱስ ክርስቶስ እንምካሕ ዝኾንና ንሕና ኢና ብሓቂ ግሩዛት።

[4] ትምክሕቲ ዘድሊ እንተኾይኑስ ኣነውን ብዙኅ ኣለኒ። ሓደ በቲ ኣብ ሰብነት ዝግበር ኣፍኣዊ ሥርዓት ዘመክሕ ዘለዎ እንተ መሰሎውን ኣነ ኻብቲ ናቱ ዝበለጸ ኣለኒ።

[5] ኣነ ኣብ ሻምናይ መዓልቲ ዝተገረዝኩ ካብ ዓሌት እስራኤል ካብ ነገድ ብንያም ዝተወለድኩ ካብ ዕብራውያን ዕብራዊ እየ፤ ሕጊ ብምፍጻምውን ፈሪሳዊ እየ፤

[6] ንቕንኢ ሃይማኖት ብዝምልከት ኣሳጓጕ ቤተ ክርስቲያን ሕጊ ብምፍጻም ንዝርከብ ጽድቂ ኸዓ ነቐፌታ ዘይብሉ እየ።

[7] እንተኾነ ነዝ ንኣይ ረብኃ ዝነበረ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ዋጋ ኸም ዘይብሉ ቖጸርክዎ።

[8] እወ! ምእንቲ እቲ ማዕረ ዘይብሉ ፍልጠት ናይቲ ጐይታይ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዂሉ ነገር ከም ከንቱ ቖጸርክዎ። ምእንትኡ ኽብል ኲሉ እስእን ኣለኹ። ንእኡ ኽረክብን ምስኡ ክኸውንን ከዓ ንዂሉ ኸም ጐሓፍ እቖጽሮ ኣለኹ።

[9] እዙይ ከዓ ነቲ ኣብ ሕጊ ብምፍጻም ዝተመሥረተ ናይ ባዕለይ ጽድቂ ዘይኮነስ ኣብቲ ንክርስቶስ ብምእማን ዝተመሥረተ ካብ እግዚኣብሔር ዝኾነ ጽድቂ ንምርካብ እዩ።

[10] ከምኡ ኸዓ ንክርስቶስን ንሥልጣን ትንሣኤኡን ክፈልጥ ኣብ መከራኡ ኽካፈል ብሞቱውን ንእኡ ኽመስሎ እሞ

[11] ኣብ ትንሣኤ ሙታን ክበጽሕ እንተ ኸኣልኩ ኢለ እየ።

[12] ነዝ ዂሉ ድሮ ረኺበዮ ወይ ድማ ኽድሚ ሕዚ ፍጹም ኮይነ እየ ማለተይ ኣይኮነን። ክርስቶስ ኢየሱስ ናቱ ስለ ዝገበረኒ ግና ኣነ ድማ ነዝ ዂሉ ናተይ ክገብሮ ኢለ እፅዕር ኣለኹ።

[13] ኣኅዋተይ! ኣነ ግና ናተይ ከም ዝገበርክዎ ገይረ ንርእሰይ ኣይግምትን እየ፤ ሓደ ዝገብሮ ነገር ኣሎ፦ ነቲ ብድኅረይ ዘሎ እናረሳዕኹ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ

[14] ናብቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ኣቢለ ናብቲ ዓስቢ ኣሰናፊነት ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝኾነ ናይ እግዚኣብሔር ጽወዓ እጐዪ ኣለኹ።

[15] እምበኣር ብመንፈሳዊ ሕይወት ዝጠንከርና ዂልና እዙይ ንሕሰብ፤ ብዝኾነ ነገር ሓሳብኩም ዝተፈለየ እንተ ኾይኑ ድማ ንእኡውን እግዚኣብሔር ክገልጸልኩም እዩ።

[16] ሕዚ ግና በቲ በጺሕናዮ ዘለና ብእኡ ጸኒዕና ንንበር።

[17] ኣኅዋተይ! ንኣይ ምሰሉ፤ ነቶም በታ ዝሃብናኩም ኣርኣያ ዝነብሩ ኸዓ ኣስተውዕልዎም።

[18] ከምቲ ብዙኅ ጊዜ ዝነገርኩኹም ሕዚ ኸዓ እናነባዕኹ ዝነግረኩም ዘለኹ ብዙኃት ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ።

[19] መወዳእትኦም ግና ጥፍኣት እዩ፤ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፤ ክብረቶምውን በቲ ነውሮም እዩ፤ ሓሳቦም ከዓ ምድራዊ እዩ።

[20] ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እዩ፤ ካብኡ ንዝመጽእ መድኃኒናን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንጽበ ኣለና።

[21] ንሱ በቲ ንዂሉ ኽመልከሉ ዝከኣሎ ኃይሊ ነዝ ዝተዋረደ ሰብነትና ለዊጡ ነቲ ኽቡር ሰብነቱ ኸምስሎ እዩ።

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊልጵስዩስ — Chapters