Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:28

[1] እምበኣር ናይ ክርስቶስ ብምዃንኩም ምትብባዕ እንተልይኩም ናይ ፍቕሪ ምጽንናዕ እንተልይኩም ምስ መንፈስ ቅዱስ ኅብረት እንተልይኩም ለውሃትን ርህራሀን እንተልይኩም

[2] ብሓንቲ ሓሳብ ብምስምማእ ብሓንቲ ፍቕሪ ብሓደ ልቢ ብምሥራሕ ንሓጐሰይ ምሉእ ግበሩለይ።

[3] ሓንቲ ነገር እኳ ጥቕሚ ርእስኻ ብምቕዳም ወይ ንኸንቱ ውዳሴ ኢልኩም ኣይትግበሩ። እኳ ደኣ ትሕትና ብምልባስ እቶም ካልኦት ካባኻትኩም ከም ዝበልጹ ጌርኩም ቊጸሩ።

[4] ነፍስ ወከፍ ናይ ካልኦት ጥቕሚውን እምበር ናይ ርእሱ ጥቕሚ ጥራሕ ኣይሕሰብ።

[5] ከምዙይ ከዓ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘርአዮ ትሕትና ኣብ ሕይወትኩም ክህሉ ይግባእ።

[6] ንሱ ብባህርዩ ኣምላኽ እኳ እንተ ኾነ፦ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ከም ምምንዛዕ ኣይቖጸሮን።

[7] እኳ ደኣ ሰብ ብምዃን መልክዕ ባርያ ብምውሳድ ብፍቓዱ ንርእሱ ድኻ ገበረ።

[8] ንርእሱ ኣዋሪዱ ኽሳዕ ሞት ክሳዕ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ሙማትውን ተኣዘዘ።

[9] ስለዙይ እግዚኣብሔር ልዕሊ ዂሉ ልዕል ኣበሎ፤ ልዕሊ ዂሉ ስም ዝኾነ ስም ከዓ ሃቦ።

[10] ስለዙይ ንኽብሪ ስም ኢየሱስ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዂሉ ፍጥረት ብብርኩ ምእንቲ ኽምብርከኽ

[11] ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኣብ ከዓ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ኸም ዝኾነ ኲሉ ኣንደበት ክምስክር እዩ።

[12] እምበኣርከስ ኣቱም ፍቑራተይ! ከምቲ ዂልሻዕ ተኣዘዝቲ ዝነበርኩም ሕዚ ኸዓ ኣብ ቅድመይ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣውራ እኳ ደኣ ብድኅረይ ብፍርኃትን ብራዕድን ናይ ርእስኹም ድኅነት ንምፍጻም ተጊህኹም ሥርሑ።

[13] ነቲ እግዚኣብሔር ብፍቕሩ ዝመደቦ ምእንቲ ኽትደልዩን ክትገብሩን እግዚኣብሔር ባዕሉ እዩ ኣባኻትኩም ዝሠርሕ ዘሎሞ።

[14] ንዂሉ ብዘይ ምጕርምራምን ብዘይ ምትህልላኽን ግበርዎ።

[15] እዙይ እንተኾይኑ ኣብ ማእኸል እዛ ቐይናንን ጠዋይን ትውልዲ እዚኣ ጕድለት ዘይብሎም ንጹሃትን ነቐፋ ዘይብሎም ውሉድ እግዚኣብሔርን ኴንኩም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኸም ከዋኽብቲ ኽተብርሁ ኢኹም።

[16] እዙይ ከዓ ነቲ ቓል ሕይወት ኣጽኒዕኹም እንተ ኂዝኩምዎ እዩ፤ በታ ክርስቶስ ተመሊሱ ዝመጸላ መዓልቲ ኸዓ ብኸንቱ ስለ ዘይጐየኹን ስለ ዘይፀዓርኩን ክምካሕ እየ።

[17] ኣብ እተቅርብዎ ናይ እምነትኩም መሥዋዕቲ ደመይ ኣፍሲሰ እንተዝቐርብውን ደስ ይብለኒ፤ ተሳተፍቲ ሓጐሰይ ብምዃንኩም ባህ ይብለኒ።

[18] ንስኻትኩምውን ከምኡ ደስ ይበልኩም፤ ምሳይውን ተሓጐሱ።

[19] ሃለዋትኩም ሰሚዐ ኣነውን ክሕጐስን ባህ ክብለንን ንጢሞቴዎስ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክልእኾ ብጐይታና ኢየሱስ ተስፋ እገብር ኣለኹ።

[20] ንጽቡቕኩም ዝሓልን ዝግደስን ካልእ ከምኡ ዝበለ የብለይን።

[21] ኲላቶም ጥቕሚ ርእሶም እምበር ብናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይግደሱን እዮም።

[22] ጢሞቴዎስ ግና ውሉድ ነቦኡ ኸምዝእዘዝ ምሳይ ኮይኑ ንወንጌል ብምግልጋል ብቕዓቱ ኸም ዘርአየ ትፈልጡ ኢኹም።

[23] እምበኣር ኲነታተይ ሪአ ንእኡ ብቕልጡፍ ክሰደልኩም ተስፋ እገብር ኣለኹ።

[24] ኣነ ባዕለይውን ድኅሪ ቑሩብ ጊዜ ኽመጽእ ብጐይታ ተስፋ እገብር ኣለኹ።

[25] ነቲ ኃወይ መሣርሕተይ ምሳይ ዝተሰለፈ ናይ ክርስቶስ ወታደር ብምዃን ከዓ ብጻየይ ብዘድልየኒ ኽድግፈኒ ዝለኣኽኩምዎ ኣፍሮዲጡውን መሊሰ ኽልእኸልኩም ግዲ ኾይኑ ተርእዩኒ ኣሎ።

[26] ንሱ ብዙኅ ናፊቑኩም ኣሎ፤ ምሕማሙ ኸም ዝሰማዕኹም ስለ ዝፈለጠ ኸዓ ተጨኒቑ ኣሎ።

[27] ብርግጽ ሓሚሙ ናብ ሞት ቀሪቡ ነይሩ፤ እግዚኣብሔር ግና ራህረሀሉ፤ ኃዘን ኣብ ልዕሊ ኃዘን ምእንቲ ኸይውሰኸኒ ንኣይውን እዩ እምበር ንእኡ ጥራሕ ኣይኮነን ዝራህረሀሉ።

[28] ስለዙይ መሊስኩም ምስ ረአኹምዎ ምእንቲ ኽትሕጐሱ ኃዘነይውን ምእንቲ ኽቐልል ቀልጢፈ እሰዶ ኣለኹ።

[29] እምበኣር ብጐይታ ብምሉእ ታሕጓስ ተቐበልዎ። ነዞም ከምዚኣቶም ዝመሰሉ ሰባትውን ኣኽብርዎም።

[30] ንኣይ እትገብርዎ ኣገልግሎትኩም ምእንቲ ኽምልእ ብዛዕባ ሥራሕ ክርስቶስ ነፍሱ ንሞት ኣኅሊፉ ኽሳዕ ምሃብ በጺሑ ነይሩ እዩሞ።

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊልጵስዩስ — Chapters