[1] ምእንታኻትኩምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዶቅያ ዘለዉን ምእንቲ እቶም ገጸይ ሪኦም ዘይፈልጡን ከመይ ዝበለ ዓብዪ ጻዕሪ ኸም ዘለኒ ኽትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።
[2] እዙይ ከዓ ነቲ ምሥጢር እግዚኣብሔር ዝኾነ ክርስቶስ ምእንቲ ኽፈልጡ ምሉእ ናይ ምስትውዓል ሃብቲ ምእንቲ ኽህልዎምን ልቦም ተጸናኒዑ ብፍቕሪ ሓደ ምእንቲ ክኾኑ ኢለ እየ።
[3] ኲሉ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብ ክርስቶስ እዩ ተሠዊሩ ዝርከብ።
[4] እዙይ ዝብለኩም ዘለኹ ሓደኳ ብምጥባር ከየስሕተኩም ኢለ እየ።
[5] ኣነ ብሥጋ እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘየለኹ ብመንፈስ ምሳኻትኩም እየ፤ ብሥርዓት ምንባርኩምን ኣብ ክርስቶስ ዘለኩም ጽኑዕ እምነትን እናረአኹውን እሕጐስ ኣለኹ።
[6] እምበኣር ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ተቐበልኩምዎ ብእኡ ንበሩ፤
[7] ከምቲ ዝተመሃርክምዎ ኣብኡ ተመሥሪትኩምን ተሓኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኹምን ብእምነት ጽንዑ ።
[8] ኣብ ናይ ክርስቶስ ዘይኮነስ ኣብ ባህሊ ሰብን ኣብ ኣተሓሳስባ እዛ ዓለም እዚኣን ዝተመሥረተ ኸንቱን መታለልን ዝኾነ ፍልስፍና ገይሩ ሓደኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ።
[9] ናይ መለኮት ፍጹም ምልኣት ብሰብነት ተገሊፁ ዝነብር ብክርስቶስ እዩ።
[10] ንስኻትኩም ከዓ በቲ ርእሲ ሕልቅነትን ሥልጣናትን ዝኾነ ክርስቶስ ናብ ምሉእ ሕይወት በጺሕኹም ኣለኹም።
[11] ንስኻትኩም ድማ ብክርስቶስ ብዝግበር ግርዘት ነቲ ኃጢኣተኛ ሥጋኹም ካባኻትኩም ብምቕንጣጥ ብኢድ ሰብ ብዘይኮነ ግርዘት ብእኡ ተገረዝኩም።
[12] ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርኩም፤ ብኃይሊ እቲ ካብ ሞት ዘተሥኦ እግዚኣብሔር ብምእማንኩም ድማ ምስኡ ተሣእኹም።
[13] እግዚኣብሔር ኲሉ ኃጢኣትና ይቕረ ብምባል ንኣኻትኩምውን ብኣበሳኹም በቲ ዘይተገረዘ ኃጢኣተኛ ሥጋኹም ሞይትኩም ንዝነበርኩም ምስ ክርስቶስ ሕያዋን ገበረኩም።
[14] ነቲ ዝኸሰናን ዝቃወመናን ዝነበረ ኣብ ሕጊ ዘሎ ናይ ዕዳ ጽሑፍ ደምሰሰልና፤ ኣብ መስቀል ሸንኪሩውን ኣወገዶ።
[15] ነቶም ሕልቅነትን ሥልጣናትን ኣፅዋሮም ገፊፉ ብመስቀሉ ምስ ሰዓሮም ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ኣኅፈሮም።
[16] ስለዙይ ብብልዕን መስተን ብምብዓል በዓላትን ባሕትን ሰናብትን ዝመጸ ሓደኳ ኣይፍረድኩም።
[17] እዝ ዂሉ ናይቲ ኽመጽእ ዘለዎ ጽላሎት እዩሞ፤ እቲ ናይ ብሓቂ ህላዌ ዘለዎ ግና ክርስቶስ እዩ።
[18] ሓደኳ ሓቂ ብዘይብሉ ትሕትናን ንመላእኽቲ ብዝግበር ኣምልኾን ነቲ ዓስብኹም ኣየግድፍኩም፤ እዝ ሰብዙይ በቲ ዝረኽቦ ራእይ እናተመጻደቐ ከንቱ ብዝኾነ ሥጋዊ ኣተሓሳስባኡ ዝዕበ እዩ።
[19] እዝ ሰብ እዙይ ምስቲ ንሰብነት ብጅማትን መገጣጠምን ኣሲሩ ብምምጋብ እግዚኣብሔር ብዝህቦ ዕብየት ዝዓብየሉ ርእሲ ዝኾነ ክርስቶስ ርክብ የብሉን።
[20] -
[21] እምበኣር ካብ ኣተሓሳስባ እዛ ዓለም እዚኣ ምስ ክርስቶስ ሞይትኩም እንተ ዄንኩም ስለምንታይ ደኣ ገና ኸም ኣነባብራ ዓለም ትነብሩ? ስለምንታይከ ነቲ ኣይትሓዝ፤ ኣይትጥዓም፤ ኣይትንካእ! ዝብል ሕጊ ትግዝኡ?
[22] እዝ ሕጊ እዙይ ብምሉኡ ሰብ ዝሓገጎን ዝመሃሮን ስለ ዝኾነ ምስ ፈጸምካዮ ሓላፊ እዩ።
[23] እዝ ሰብ ባዕሉ ብዘጥረዮ ኣምልኾን ሓቂ ብዘይብሉ ትሕትናን ንሰብነት ኣበርቲዑ ዝቐጽዕ ብምዃኑ ጥበብ ዘለዎ ይመስል፤ ድልየት ሥጋ ንምቁጽጻር ግና ኣይጠቕምን እዩ።